እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጄሪያ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ሌጎስ 'ልዕሊ'ቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ክኸውን ይኽእል እዩ'
ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተገበረ ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣብ ዞባ ሌጎስ ጥራይ ዝተረኸበ መጠን መልከፍቲ ልዕሊ እቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዘሎ መልከፍቲ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ናይጀርያ 153,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት 1,862 ኸኣ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት እታ ሃገር ኣብ 10000 ሰባት ዝተኻየደ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገረ ናይጀርያ መጠን መልከፍቲ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ንምፍላጥ ዓሊሙ'ዩ ተኻይዱ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይጀመረ እንከሎ እዩ ካብ ሰባት ቅምሶ ብምውሳድ ተካይዱ።
ኣብ ናይጄርያ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን'ውን ብማእከል ምክልኻለን ምቁጽጻር ሕማማት ናይጄርያን ትካል መጽናዕቲ ሕክምናን መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።
ክልቲኡ እቲ መጽናዕቲ (ዳህሳስ) ኣብ እዋን ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተኻየደ እቲ ቁጽሪ ትሑት ክኸውን ትጽቢት ከም ዝነበረ'ዩ ዝጥቀስ።
እታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገበትሉ እዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1600 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ነይሩ።
ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ይግመት።
እዚ ሓዲሽ ዳህሳስ እንታይ ውጽኢት ድዩ ኣርእዩ?
ብመሰረት እዚ ሓዲሽ መጽናዕቲ ኣብ ዞባታት ሌጎስ፡ ኢንጉን ናሳራዋን ካብቶም ንፈተነ ቅምሶ ዝተወሰደሎም ሰባት ሓደ ካብ ሓሙሽት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ጸኒሖም።
ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ናይጀርያ እትርከባ ዞባ ጎምበ ኸኣ ሓደ ካብ ዓሰርተ በቲ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
እቲ ለበዳ ካብ ኣብ ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ደቂ ተባዕትዩ ከም ዝዛይድን ካብቶም ኣብ ገጠር ዝነበሩ'ውን እቶም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ዝያዳ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት የርኢ።
ብመሰረት እዚ ዝተኻየደ መጽናዕትን ዝተረኸበ ውጽኢትን ካብቶም 186 ሚልዮን ህዝቢ ናይጀርያ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ስግኣት መልከፍቲ ከምዝርከቡ እቲ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጄርያ ኣጠንቂቁ ኣሎ።
ዳይሬክተር ጀነራል ምክልኻለን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጄርያ ዶክተር ቺከወ ኢህከዋዙ "ካብ ሸሞንት ክሳብ ትሽዓተ ሚኢታዊት ህዝቢ እዘን ኣርባዕተ ዞባታት ነዚ ቫይረስ ተቃሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እዩ እዚ መጽናዕትና ዘርኢ፤ በዚ መሰረት እዚ ክንጅምሮ ንሸባሸብ ዘለና ክታበት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ" ኢሉ።
ናይጄርያ ንክታበት ኣስተራ ዘኒካ ኣብታ ሃገር ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ኣጽዲቃ ኣላ። እንተኾነ እቲ ክታበታት ምዓስ ከም እትቕበሎ ብንጹር ኣየቐመጠትን።
እዚ መጽናዕቲ ንምንታይ እዩ ዘገድሰና?
ሰብ ሞያ፡ ክንደይ ሰብ ተቃሊዑ ኣሎን ኣበይን ዝብሉ ሕቶታት ክምልሱ እንተኺኢሎም እቲ ዝህልወካ ጸጋታት ኣበይ ከተውፍሮ ከም ዘለካ ንጹር ስእሊ ስለ ዝህበካ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ ይብሉ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ናይጀርያ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠን መልከፍትን መጠን ሞትን ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ክዛይድ ከም ዝኽእል እዩ ዘርኢ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ እኹል መርመራ ይግበር ስለዘየሎ መጠን መልከፍትን መጠን ሞትን ከምዚ ዝግለጽ ዘሎ ክኸውን ከም ዘይክእል'ውን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።