ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተቐቲሉ

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዕጡቓት ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

ወዲ 43 ዓመት ኣምባሳደር ሉካ ኣታናይሶ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ'ታ ሃገር ምስ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት እናተጓዕዘ እንከሎ'ዩ ተቐቲሉ።

እቲ ቃፍላይ መካይን፡ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተባህለ ትካል ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ኣምባሳደር ዝነበረ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኢጣልያን ስሙ ዘይተገልጸ ሳልሳዮምን ከምዝተቐትሉ'ውን እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።

"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ኣብ ጎማ ዘጋጠመ ሞት ኣምባሳደር ኢጣልያ ከፍልጥ እንከሎ ከቢድ ሓዘን ይስምዖ" ክብል እቲ መግለጺ ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሉዊጂ ዲ ማኢኦ ብወገኑ፡ ብቕትለት ናይቲ ኣምባሳደር "ሓያል ቁጠዐን ከቢድ ጓህን" ከምዝተሰምዖ ገሊጹ'ሎ።

"እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ንምፍላጥ ዘይንግልብጦ እምኒ ኣይክህሉን'ዩ" ድማ ኢሉ።

እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጎማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፈተነ ጭውያ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብመዚ ናይ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ቪሩንጋ ተዛሪቦም።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ምብራቓዊት ከተማ ጎማ፡ ድሕሪ ሰዓት 10 ናይ ንጉሆ ከምዘጋጠመ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንገለ ሰበስልጣን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

መንነት ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ከባቢ ከም ዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ።

ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት'ውን ኣብቲ ዞባ ንሓድሕዶም ክጋጨዉ ምጽንሖም ይንገር። ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝድለ ምርግጋእ ንምፍጣር ዓቢ ብሆ ኮይንዎ'ሎ።

ኣምባሳደር ኣታናስዮ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሃገር ላዕለዋይ ወኪል ሃገሩ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ። ኣብ 2003 ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምጽንባሩ ኣብ ሞሮኮን ናይጀርያን ከም ዲፕሎማሰኛ ከምዝሰርሐ ታሪኽ ሂወቱ የዘንቱ።

እታ ብባህርያዊ ሃብቲ ማዕድናት እትፍለጥ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሰላምን ምርግጋእን ተሓሪምዋ ዝጸንሐት'ያ። ሓያሎ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ኣእዳወንን ኣእጋረንን ኣእትየናሉ ዝነበራ ግጭት'ዩ።

ኣብቲ ካብ 1994 ክሳብ 2003 ዝቐጸለ ግጭት ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይገልጹ። ገለ ተዓዘብቲ 'ዝዓበየ ኲናት ኣፍሪቃ' ክብሉ ይገልጽዎ'ዮም።

እቲ ናይቲ እዋን ግጭት ከምዘብቅዐ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ብድሕሪኡ'ውን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ሚሊሻን ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ'ታ ሃገር ዘይምርግጋእ ፈጢሮም ይርከቡ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ዝንገረሉን፡ ልዕሊ 17,000 ኣባላት ዘለዎን ሓይሊ ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ምህላዉ ይፍለጥ።