ኣዛዚ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ኡጋንዳ ነበር ብገበናት ኵናትን ኣንጻር ሰባውነት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ኣዛዚ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ዩጋንዳ ነበር ዶሚኒክ ኦንግወን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸመ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ወሲኑ።

ኦንግወን ሓደ ካብቶም ዝፍርሑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይቲ 'ሎርድስ ረዚስታንስ ኣርሚ (LRA) ምንባሩ ይግለጽ።

ካብቶም ዝቐረብሉ 70 ክስታት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰባውነትን፡ በቶም 60 ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ'ሎ።

ንሱ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ መጋባእያ ናይቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኣባል ናይቲ ብዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምራሕን ብጭካንኡ ዝፍለጥን ዕጡቕ ጉጅለ ኮይኑ'ሎ።

ቀንዲ ካብቶም ክስታት ምስቲ ኣብ 2004፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ተፈናቐልቲ መዓስከር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዙ'ዮም።

ፍርዱ ኣብ ቀጻሊ ዝውሰን'ኳ እንተኾነ፡ ንሕልፈት ክእሰር ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ኣዛዚ ነበር፡ ግዳይን ፈጻምን ኮይኑ ብምቕራቡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዓቢ ጸገም ኮይንዎ'ዩ።

ቆልዓ እንከሎ ንባዕሉ በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ተጨውዩ ከምዝተወስደን፡ ኣብ መስርሕ ዓብዩ ምክትል ቀንዲ ኣዛዚ ናይቲ ጉጅለ ዝኾነ ጆሰፍ ኮኒ ክኸውን ከምዝበቕዐን ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ነቲ ውሳነ ዘንበበ ፕረዚደንት ዳያኑ ናይቲ ቤትፍርዲ በርትራም ሽሚት፡ "ገበነኛ ምዃኑ ብዘየወላውል መንገዲ ክብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ" ኢሉ።

"እቲ መጋባእያ፡ ኣብቲ እቶም ገበናት ዝተፈጸምሉ እዋን ዶሚኒክ ኦንግወን ዝኾነ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ወይ ምምዝባል ከምዝነበሮ ይኹን ነቶም ገበናት ተገዲዱ ፈጺምዎም ዝብል ብጠበቓታት ንዝቐረበ ምጉት ዝድግፍ ዝኾነ ጭብጢ፡ ኣይረኸበን" ኢሉ።

ንሱ፡ ብገበናት ኵናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰባውነት፡ ስቅያት፡ ጾታዊ ባርነትን ዕንወትን ብዝብሉ ክስታት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ።

ኣብ 2005 ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ (ICC) ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኣዚዙ ነይሩ።

ፍሉያት ኣሃዱታት ኣመሪካን ካልኦት ሓይልታት ኣፍሪቃን ድማ ካብ 2011 ጀሚሩ ክሃድንዎ ጸኒሖም።

ኣብ 2015 ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ከኣ እቲ ኣብ ሄግ፡ ሆላንድ ንሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ፍርዳዊ መስርሕ ጉዳዩ ኣብ ውርሒ መጋቢት ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ተዛዚሙ።

ጠበቓታቱ፡ ናጻ ክወጽእ'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ "ኦንግወን ተጨውዩ ክውሰድ እንከሎ ምርጫ ኣይነበሮን፡ ባርያ እዩ ነይሩ። እቲ ባርነት ድማ ክሳብ ካብቲ ጠሻታት ዝሃድም ቀጺሉ" ክብሉ ናይ መወዳእታ ምጉት ኣቕሪቦም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ብወገኖም፡ እቲ ገበናት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን እኹል ሰብ ብምንባሩ፡ ካብ ሓላፍነት ክሃድም ኣይክእልን'ዩ ክብሉ መጕቶም።

ዶሚኒክ ኦንግወን መን'ዩ?

ዶሚኒክ ኦንግወን፡ ካብ ገዝኡ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደ እንከሎ'ዩ ብዕጡቓት ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ተጨውዩ ተወሲዱ።

ፈለማ ካብቲ ዝተወስደሉ ቦታ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ተታሒዙ፡ ከም መቕጻዕቱ ዘስካሕክሕ ነገራት ክፍጽም ከምዝተገደደ ይንገረሉ።

ኣብ ጣሻታት ሰሜናዊ ምዕራብ ዩጋንዳ ምስቲ ጉጅል ዓብዩ ድማ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክኸውን በቒዑ።

ኣዛዚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝፈጸሞ ገበናት ኵናት ኣንጻር ሰባውነትን፡ ከምኡ'ውን ባርነት ክስታት ቀሪብሉ።

ኣመሪካ፥ ኣብ 2013 ንዕኡ ንምሓዝ ሓበሬታ ንዝህቡ 5 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ምዃና ቃል ኣትያ።

ኣብ 2015 ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ድማ ናብቲ ኣብ ከተማ ሄግ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ተሰጋጊሩ።

ኣብ ለካቲት 2021 ድማ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ሎርድስ ረዚዝታንስ ኣርሚ መን'ዩ?

ሎርድስ ረዚዝታንስ ኣርሚ ((LRA) ኣብ ዩጋንዳ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ብዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምራሕ መንግስቲ ምቛም'ዩ። ስሙ'ውን ቃል ብቓሉ 'ተቓውሞ ሰራዊት ጎይታ' እዩ ዝትርጎም።

እቲ ብጆሰፍ ኮኒ ዝምራሕ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብጭውያ ቆልዑን ጾታዊ ጊልያነትን ክፉእ ሽም ዘጥረየ ምዃኑ ይፍለጥ።

ካብ 1990ታት ጀሚሩ፡ መጥቃዕትታት ናይቲ ጉጅለ ዘስካሕክሑ እናኾኑ ይመጹ ነይሮም። ዕጡቓት ኣባላቱ፡ መሓውር፡ ኣፍንጫ፡ ከናፍርን እዝንን ግዳያቶም ብምቑራጽ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም።

ኣብ 2005 እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብሰራዊት መንግስቲ ተደፊኡ ካብ ዩጋንዳ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዶባት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቀዋሚ መዓስከራት ብምግባር ይንቀሳቐሱ ነይሮም።

ብድሕሪ'ውን ናብታ ኣብ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ እትርክብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብምእታዉ፡ ከም ሓደ ውዱብ ገበናዊ ጉጅለ እናተንቀሳቐሰ ኣብ ዘይሕጋዊ ሃድንን ዕደናን ተዋፊሩ ነይሩ።