እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መስመር ጭቃ ነዳዲ ክሃንጻ ተሰማሚዐን
ጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳን ታንዛኒያን ዘራኽበን 1445 ኪሎ ሜትር ዝርርጋሕ መስመር ጭቃ ነዳዲ ንክሃንጻ ተሰማሚዐን።
እዚ 3.5 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ መስመር ጭቃ ነዳዲ ካብ ወደባዊት ከተማ ታንጋ ናይ ታንዛንያ ናብ ማእከል ኡጋንዳ ዘራኽብ’ዩ ክኸውን።
እቲ ስምምዕ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሉን ፕረዚደንት ኡጋንዳ ይወሪ ሙሰቨኒን ኣብ ዝተረኸብሉ’ዩ ተፈጺሙ።
ኣብ ኡጋንዳ ኣብ 2006 ጭቃ ነዳዲ'ኳ እንተተረኸበ፡ ብሰንኪ ትሑት ትሕተ ቅርጺ ናብ ፍርያ ክሰጋገር ኣይከኣለን።
እዚ ስምምዕ መዓስ ብተግባር ከም ዝጅመርኳ እንተዘይተነገረ፡ እንተተጀሚሩ ግን ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መስመር ጭቃ ነዳዲ ክኸውን’ዩ።
እንተኾነ እቲ ‘ፕሮጀክት’ ንብዙሓት ኡጋንዳውያን ብኸቢድ ክጸልዎም ከም ዝኽእል ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።
ብሰንኪ እዚ ፕሮጀክት ልዕሊ 12 ሽሕ ስድራቤታት ኡጋንዳ ካብ ቤት ንብረቶም ክዘናበሉ ከም ዝኽእሉ ኦክስፋምን ፊዳን ዝተሰመዩ ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ብዘይካ እዚ እቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ኵዕታ ነዳዲ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስርዓተ ማሕድሮ [ኢኮሲስተም] ብኸቢድ ክሃስዮ ከም ዝኽእል ክኢላታት ዕቀበ ከባቢ ይገልጹ።
ነቲ ዓብዪ ፕሮጀክት፡ ዓርሞሽሽ ፈረንሳዊ ትካል ቶታል ምስ ናይ ቻይና ትካል ኢኤንኦኦሲ ከምኡ’ውን መንግስታት ታንዛንያን ኡጋንዳን ኮይኖም’ዮም ክሰርሕዎ።
እቲ ብሰንበት ዝተገበረ ጽንብል፡ ቶታል ዝዓበየ ብርኪ ናይቲ ፕሮጀክት ከም ዝሕዝ ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ከም ዝተሰማመዐ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ ተኻይዱ።
80 ሚኢታዊት ካብቲ መስመር ጭቃ ነዳዲ ኣብ መሬት ታንዛንያ ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንልዕሊ 18000 ታንዛንያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ይግበር።