እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝምባብወ፡ ጸገም ቀረብ ኤለትሪክ ንምፍታሕ ልቓሕ ረኺባ
ዝምባብወ፡ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ኤለትሪክ ንምፋታሕ ናይ 42.5 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ከም ዝረኸበት፡ ብመንግስቲ ዝምባብወ እትውነን ጋዜጣ ኣቃሊሓ።
እታ ጋዜጣ፡ ምኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ልቃሕ ንምርካብ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ገሊጻ።
እንተኾነ፡ እቲ ካብ ባንኪ ኣምጻእን ለኣኽን ህንዲ ዝተረኸበ ልቓሕ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኤለትሪክ፡ ቅጽበታዊ ፍታሕ ከምጽእ'ዩ ተባሂሉ ከም ዘይእመን'ዩ ዝግለጽ።
እዚ ተረኺቡ ዘሎ ልቓሕ፡ ንቡሉዋኦን ሃዋንገን ዝብሃላ ፋብሪካታት ቐረብ ኤለትሪክ ንምምሕያሽ ከም ዝውዕል'ውን እታ መንግስታዊት ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝምባብወ ኤለትሪክ ኣብ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ለይቲ ንሸውዓት ሰዓታት ጥራይ እዩ ዝፍኖ ዘሎ።
ኣብ ሃራሪ ዝርከብ ወኪል ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ዋሕዲ ቀረብ ኤለትሪክ፡ ኣውፈርቲ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዘስኣኖም'ዮም ዝግምቱ ኢሉ።
መንግስቲ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብ፡ ነቲ መትኒ ቀረብ ኤልትሪክ እታ ሃገር ዝኾነ ዲጋ ካሪባ መጠን ማዩ ስለዘነከዮ ዝሰዓበ ከምዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፋይናንስያዊ ጸገማት'ውን ንጸገም ዋሕዲ ኤለትሪክ ከይቕረፍ ሓሊኹ ከምዝሓዞ'ዮም ሰብ መዚ ዝገልጹ።
እተን ብነዳዲ ዝሰርሓ ጀነረተራት ንኸይሰርሓ'ውን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ዋጋ ነዳዲ ብሸውዓተ ዕጽፊ ስለዝወሰኸ ነቲ ጸገማት ሓላሊኽዎ ከምዝርከብ እቲ ኣብ መንግስታዊት ጋዜጣ ዝወጸ ጸብጻብ የብርህ።