እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ዙምባብያውያን ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዙምባብዌ ንሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም ምህላዎም ሓቢሩ።
ውድብ መግቢ ዓለም ብወገኑ፡ ነታ ብድርቒ ህቦቡላን ቁጠባዊ ቅልውላውን ተሃስያ ዘላ ሃገር፡ ኣስታት 330 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘበርክት ሓቢሩ።
ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም ዝኾነ ደቪድ በስለይ "ብዙሓት ካብዞም ሓገዝ ዘድልዮም ዘሎ፡ ኣብ ሓገዳ እዮም ዘለዉ፡ ሓገዝ ተዘይተገይርሎም ከኣ ናብ ዓጸቦ ክሰጋገሩ ይክእሉ'ዮም" ኢሉ።
እዛ ሓንቲ ቀራቢት መግቢ እቲ ዞባ ዝነበረት ዙምባቤ፡ ንዓመታት ኣብ ሕንፍሽፍሽ'ያ ጸኒሓ።
እዚ ናይ ሎሚ ቀረባ ዓት ሕርሻዊ እቶት ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቒ መጠነ እትዋቱ ካብ ኣመት ናብ ዓመት ከንቆልቑል'ዩ ጸኒሑ።
ብሰንኪ እዚ ከኣ ዋጋ መግቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክውስኽ ተራእዩ።
ዋሕዲ ማይ ነቲ ብሃይድሮ ኤለትሪክ ዝሰርሕ መመንጨዊ ጸዓት ካሪባ ስለዝጸለዎ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዋሕዲ ቀረብ ኤልትሪክ ክረአን ጀሚሩ።
ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም ዝኾነ ደቪድ በስለይ "ነቶም ናብ ዓጸቦ ገጾም ዘምርሑ ዘለዉ ክንሕግዞም እንተዘይክኢልና፡ ንነዊሕ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ኢና ክንርኢ" ኢሉ።
ጸገም ናይ ዙምባብያውያን ህቦቡላ ኣዳይ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ዓጥቖዖም'ዩ ክብእስ ጀሚሩ።
እዚ ብብርቱዕ ማዕብል ዝተሰነየ ህቦብላዊ ንፋስ፡ ንማላዊን ንሞዛቢክን'ውን ብምጥቓዕ፡ ንኣስታት 570,000 ዙምባብያውያን ብምጽላው፡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ብዘይ ቤት ንብረት ዘትረፎም ተጸጥሮኣዊ ሓደጋ'ዩ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒሰተር ፋይናንስ እታ ሃገር ሙቶሊ ነኩቡ መንግስቲ፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ንዝርከቡ ኣስታት ን 757,000 ዜጋታት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እክሊ ክዕድል ከምዝጸንሐ ሓቢሩ ነይሩ።
ብሰሉስ'ውን፡ ድሕሪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ሮበርቶ ሙጋበ፡ ኣብ 2017 ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ እታ ሃገር ኣብ ናይ ደርቒ ሓደጋ ምህላዋ ኣዊጁ።