እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መላእ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ኣውስትራልያ ድርቂ ኣጋጢሙ
ኣብ ኣውስትራልያ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ሕዚ ምሉእ ብምሉእ ብድርቂ ተጠቒዓላ ክብሉ ሰብመዚ ኣረጋጊፆም።
ዝናብ ዘይተርኣየሉ ሓጋይ፡ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ድርቂ ክጋደድ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።
ዳርጋ ርብዒ ፍርያት ሕርሻ ኣውስትራልያ ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ እዩ ዝፈሪ ነይሩ። ሎሚ ረቡዕ፡ እታ ግዝኣት 100% ብድርቂ ከምዝተሃሰየት ሰብመዚ ገሊፆም።
መንግስቲ ናይታ ግዝኣትን ፌደራልን፡ ንህፁፅ ፈድኤት ዝውዕል 430 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሂቦም።
እቲ ገንዘብ፡ ዘራእቶም ንዝተበላሸዎም፣ ሕፅረት ማይን ቀለብ እንስሳትን ንዘጋጠሞም ሓረስቶት መሐገዚ ዝውዕል እዩ።
"ኣብታ ግዝኣት፡ ሓረስቶትና ዝናብ ረኾቦም ክርኢ ዘይተሃንጠየ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢሎም ናይታ ግዝኣት ሚኒስተር መባእታዊ ኢንዱስትሪታት።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ማልኮም ትረንበል፡ እታ ሃገር "ድርቂ ተደጋጊሙ ዝረኣየላ መሬት" ኮይና ክብል ሻቕሎቱ ገሊፁ እዩ።
ካልእቲ ኲንስላንድ ዝተብሃለት ግዝኣት 'ውን ልዕሊ ፍርቂ ክፋላ ብድርቂ ተጠቒዓ'ላ፡ ኣብ ገለ ክፋል ግዝኣት ቪክቶርያን ደቡብ ኣውስትራልያን 'ውን ደረቕ ኩነታት ኣየር ዓብሊሉ ይረአ።