እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ ካብ ሞንጎ ብሉፃት 10 ለኣኽቲ ምክልኻል ኲናት ክትከውን እያ
ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ ዘለዋ 10 ብሉፃት ለኣኽቲ ኣፅዋር ኲናት (ውግእ) ክትኸውን ከምዝተለመት ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ በቢ ዓመቱ 2 ቢልየን ዶላር ዝግመት መሳርሒ ኲናት ብምሻጥ፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ናብ ዕዳጋ ዓለም ኣፅዋር ውግእ ካብ ሞንጎ ዘቕርባ ሃገራት ክትኸውን ክኢላ እያ።
እዚ ተተሊሙ ዘሎ ትልሚ ንምዕዋት፡ ናብዚ ዘፈር ንዝኣትዉ መፍረይቲ: ልቓሕ ከምዝዳላወሎም ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ማልኮም ተርንቡል ኣፍሊጦም።
ይኹን እምበር ዝተፈላለዩ ለገስቲ ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ሒዝዎ ዘሎ ትልሚ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዘቕህም እዩ" ብምባል እናኾነንዎ ይርከቡ።
ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ካናዳን ኒውዝላንድን ብቐዳምነት ሰደድ ዝግበረለን ሃገራት ከምዝኾናን ናብ ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን እውን እዚ ዕዳጋ ንምብፃሕ ከምዝተሓሰበ ኣውስትራልያ ኣፍሊጣ ኣላ።
"እዚ ጉዳይ ዋኒንን ስራሕን ኣውስትራልያ ጥራሕ እዩ፤ ቀንዲ ሸቶና ካብ ሞንጎ ብሉፃት 10 ለኣኽቲ ኣፅዋር ምዃን እዩ" ብምባል ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ማልኮም ተዛሪቦም።
ትካላት ኣውስትራልያ መሳርሒ ኲናት ኣምሪቶም ናብ ዕዳጋ ዓለም ንከቕርቡ፡ 3 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር ልቓሕ ከምዘድልዮም እውን ኣካል እዚ ትልሚ ኮይኑ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ፍርያታት እዚ ኢንድስትሪ ዝያዳ ንምፍላጥን ንምስፍሕፋሕን መንግስቲ ኣውስትራልያ ኤጀንሲታት ከጣይሽ እዩ።
'ዋጋ ናፃነት'
ሚኒስትር ምክልኻል ኣውስትራልያ ክርስቶፈር ፒኔ፡ ዘይሕጋውያን ዓደግቲ ናብቲ ዘፈር ኣትዮም፡ ፀገም ንከይፍጠር ጥቡቕ ቁፅፅር ከምዝግበር ብምግላፅ "ንሕና ኣብ ዘይግበአና ዕዳጋ ኣይክንኣቱን" ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣውስትራልያ ኣብ ዕዳጋ መሳርሒ ኲናት ተወዳዳሪት ክኸውን እየ ብምባላ ዝተፈለላለዩ ነቐፌታታት እናወሓዙ እዮም።
"ኣብ ዓለም ዕግርግር ናብ ዘስዕብ፣ ሰባት ናብ ዝቐትል፣ ጉድኣት ኣካል ናብ ዘምፅእን ሰለም ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ዝዘርግን ዕዳጋ መሳርሒ ኲናት ክንኣቱ ኣይግበአናን" ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣውስትራልያ ላዕለዋይ ሓላፊ ዓለም-ለኸ ልምዓት፡ ማርክ ፔርሴል ተዛሪቦም።
ይኹን እንበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ተረንቡል፡ ዋላ እኳ ተቓውሞታት እንተተሰምዑ፡ "ዋጋ ነፃነት ዘለኣለማውነት እዩ" ብምባል፡ ውሳንኦም ክቕይሩ ኣይከኣሉን።
"ነዚ ድማ እዩ ንሃገርና ሓዊሱ፡ ዝኾነት ሃገር፡ንባዕላ ናይ ምክልኻል መሰል ዘለዋ" ኢሎም።
ኣሜሪካ መሳርሒ ኲናት ናብ ዕዳጋ ዓለም ሰደድ ብምግባር ቀዳመይቲ እንትትኸውን፡ ሃገራት ሩስያ፣ ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ኢንግሊዝን ብቕደም ሰዓብ ይስረዓ።