ፕሬዚደንት-ነበር ሙጋበ ንሕጋውነት ሓድሽ መራሒ ዚምባብዌ በዲሁ

ወዲ 94 ዓመት ፕሬዚደንት ዚምባብዌ ነበር፡ ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንድሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ዝያዳ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ "ዕልዋ መንግስትን" ክሕደትን ኢዩ ኣተኲሩ ዝመደረ።

ልዕሊ ኹሉ ሙጋበ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ዝተኻየደ ዘሕፍር ዕልዋ ናብ ንቡር ክንመልሶ ኣሎና" ኢሉ።

ህዝቢ ዚምባብዌ ግና ብዙሕ ኣይክቕበልዎን ኢዮም።

"ሕጂ እቲ ርጉምን ጨካንን መላኺ ናይ ህዝቢ ምድንጋጽ ይሓትት ኣሎ። ንመን ከደናግር ኢዩ" ኢሉ ትሬቮር ኑኩቤ፡ ናይ ጋዜጣ ኣሕታሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ።

"እዚ ሰብ'ዚ ሂወትና አዕንዩ፡ ኣሽሓት ቀቲሉ፡ ሕጂ ድማ ኣብተን ዝኣገደን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ ኣብቲ ናይ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሕ ክዕደምን ጠሊቡ" ኢሉ እቲ ፍሉጥ ጎስጉሲ፡ ፓስተር ኤቫንስ ማዋሪሪ ኣብ ፌስቡኩ።

ህዝቢታት ዚምባብዌ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳያት ኢዮም ተጸሚዶም ዘለው።

ኩሉ ተስፍኦም ድማ ፕሬዚደንት ምናንጋግዋ ነቲ ዝገበሮ መብጽዓታት - ቁጠባዊ ምሕዋይ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምዕዳም፡ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ምኽፋልን ዝብል ብምትግባር ነታ ኣብ ሓደ እዋን ብልጽግቲ ዝነበረት ሃገር ብኽልተ ኣእጋራ ደው ከምትብል ምግባር ኢዩ።

እንተኾነ እቲ ብጽምዋ ዝተበልዐ ሙጋበ፡ ዚምባብዌ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምምላስ ክሕግዝ ቅሩብነቱ ገሊጹ። ግን "ኣብቲ ኪግበር ዝኾነ ዝርርብ ብስርዓት ክዕደም ኣሎኒ" ድማ ኢሉ።

እንተኾነ እቶም በጻሕቲ ጋዜጠኛታት ካብቲ ኩሉ ሙጋበ ዝበሎ "ኣብዚ እዋን፡ ኣነ ኣዝየ ተነጺለ ኢየ ዘለኹ"፡ ትብል እዮም ብቐሊሉ ዝተረድእዋ።