ምፍራይ ድፍድፍ ነዳዲ ንኢትዮጵያ ሒዙላ ዝመጽእ ጸጋን ፈተናን እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ፡ ጎዴ ኢለሌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተኹዓተ ጉድጓድ፡ ጭቃ ነዳዲ ምፍራይ ጀሚሩ'ሎ።

ካብዚ ጉድጓድ መዓልታዊ 450 በርሚል ጭቃ ነዳዲ ክፈሪ'ዩ ዝብል መደብ እንትህሉ፡ ኣብ ቀረባ ንዕዳጋ ዉሽጢ ዓዲ ምቕራብ ክጅምር'ዩ።

ኣብ 2013 ኣብቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ምህላዩ ከጽንዕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕሊ ዝኣሰረ ፖሊ ጂሲኤል ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣለሻ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ህንጸት መተሓላለፊ መስመር ነዳዲ ኣብ ጎዴ ኢለሌ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ዝጅመር እንትኾን፡ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘም'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ነዚ ዜና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘበሰረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዜጋታት እታ ሃገር እዚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምኽንያት ግጭት ገይሮም ከይርእይዎ ኣጠንቂቑ'ዩ።

ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር እንትዛረብ፡ ብምኽንያት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጥም ግጭት ኢትዮጵያ ክተወግድ ተስፋ ይገብር ኢሉ።

"ሃፍቲ ነዳዲ ብሕታዊ ፍልፍል ሃፍቲ ኢትዮጵያዉያን ኣይኮነን። ሃፍቲ ተፈጥሮ ከመይ ትሻሞ ዝብል ናይ ልምዓት መገዲ ኣይኮናን እንኽተል። ህዝብና'ዩ ምንጪ ሃፍትና" ኢሉ ኣብዪ ኣሕመድ።

ኢትዮጵያ ብዘይ ነዳዲ ጥንኩር ቑጠባ ዝሃነጸት ሃገር እያ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ዜጋታት እቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሃፍቲ ተወሳኺ ፍልፍል ቑጠባ ገይሮም ክወስዱዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

"ነዳዲ የለን ማለት ዕብየት ኢትዮጵያ ጠጠዉ ክብል'ዩ ማለት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እዚ ሃብቲ ብኣግባቡ እንተድኣ ዘይተጠቒምናሉ፡ እንርብሓሉ ዕድል ከስእነና'ዩ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ዕድላትን ብድሆታትን

እዚ ናይ ፈተነ ስራሕ ምዉጻእ ጭቃ ነዳዲ፡ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ እንትኾን በብመዓልቲ 450 በርሚል ነዳዲ ክወጽእ'ዩ።

ኢትዮጵያ ዝፍትና ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ስእነት ስራሕ ኣብ ምፍታሕ ግደ ክህልዎ'ዩ ዝብል ካብ ቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ተሰሚዑ።

ኣብ እዋን ፈተነ ኣብ ዓመት 1 ቢሊዮን ዶላር ዘርክብ እንትኾን፡ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ምትሕልላፍ እንትሰጋገር ድማ፡ ኣብ ዓመት 8 ቢሊዮን ዶላር ክርከብ'ዩ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ቑጠባ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ጸሃየ ወልደገርግስ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ጭቃ ነዳዲ ኢትዮጵያ ናብተን ነዳዲ ኣፍርየን ንዕዳጋ ዓለም ዘቕርባ ሃገራት ክትጽምበር ከምዝገብራ ይዛረብ።

"ኢትዮጵያ ነዳዲ ካብ ደገ እያ ተእቱ። እዚ ከኣ ብዙሕ ሸርፊ ወጻኢ'ዩ ዘድልዮ። እዚ ዕድል ግና እዛ ሃገር ከምተን ካልኦት ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም ኣቕሪበን ዝርብሓ ዘለወ ኣሃገራት ክትርባሕን እተዉጽኦ ዝነበረት ወጻኢ ድማ ክቑጠብን ክሕግዛ'ዩ" ኢሉ።

ሃፍቲ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ተወሳኺ መተኣሳሰሪ ሓይሊ ገይርኻ ምዉሳድ ይከኣል'ዩ ዝብል እቲ ሙሁር፡ ኣብቲ ነዳዲ ምፍራይ ዝተጀመረሉ ከባቢ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር መነባብሮ ዜጋታት ድማ ክመሓየሽን ሃፍቲ ምፍጣርን ክመዝከኣል'ዩ ዝገልጽ።

ኮይኑ ግና ይብል ሓላፊ ግንባር ናጽነት ምዕራብ ሶማሌ ዝነበረ ኢብራሂም ሸኽ መሓመድ ድሄረ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ሃፍትታት ተፈጥሮ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ምርግጋጽ ኣጸጋምን ፈታንን እዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለዎ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ከባቢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ ጸጥታ ደሕንነት ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ከይኸዉን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣብቲ ከባቢ ቅድም ኢሉ ሰራሕተኛታት ምዉጻእ ነዳዲ ቻይና ብኦጋዴን ምሟቶም ዝዝከር'ዩ። ምስቲ ግንባር ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይተበጺሑ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ጸገም ክህሉ ይኽእል'ዩ ማለት'ዩ" ይብል ኢብራሂም ሸኽ መሓመድ ድሄረ።

ኣብ ማሕበር ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ ኢትዮጵያ ተመራማሪ ስነ ቑጠባ ዝኾኑ ኣቶ ኣሚን ዓብደላ ድማ፡ ፍትሃዉነት ዝዓሰሎ ተጠቃምነትን ምዕባይ ቴክኖሎጅን ዘረጋግጽ ስትራቴጂ ክህልዎ ይግባእ ዝብል ሞገት ኣለዎም።

"ነዳዲ ሒዘን ዝዓበያ ሃገራት ዉሑዳት እየን። እቲ ነጥቢ እቲ ከባቢ እንታይ ዓይነት ረብሓ ይረክብ? ዝርከብ ገንዘብ ድማ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታዉ ከመይ ይፍጸም? ዝብል ስትራቴጂ እንተድኣሃልሓ ረብሓ ኣለዎ። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ነዳዲ ናብ ጎንጺ ዘምርሐና እንተድኣ ኾይኑ ግና ነዳዲ ተሪፉና ሰላምና ሒዝና እንተንነብር ይሓይሽ እየ ዝብል" ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ።

ላፊ ግንባር ናጽነት ምዕራብ ሶማሌ ዝነበረ ኢብራሂም ሸኽ መሓመድ ድሄረ እቲ ፕሮጀክት ከሕድሮ ዝኽእል ከባቢያዊ ጽዕንቶ ስለዝህሉ ማሕበራዊ ናብራ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ዘጎሳቑል ከይኸዉን ክሕሰበሉ ኣለዎ ኢሉ።

"ከምዚ ዓይነት ፕሮጀክታት ከባቢያዊ ጽዕንቶ ኣለዎም'ዩ። ብፍላይ ናይቲ ከባቢ ሕብተሰብ ኣብ ምርባሕ እንስሳት ዝመሓደር ስለዝኾነ፡ ተኽሊ እንትቑረጽ እንስስኡ ዝበልዐኦ ክስእና ስለዝኽእላ ቅልዉላዉ ኣይፈጥርን ኣይበሃልን" ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

ነዳድን ጭቃ ነዳድን

ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኦጋዴን ሃፍቲ ነዳዲ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ወጻኢ ዝተሳተፉሎም ፈተነታት ምእላሽ ዕቑር ሃፍቲ ነዳዲ ክተካይድ ጸኒሓ'ያ።

ኣብቲ ሕዚ ጭቃ ነዳዲ ተረኺብሉ ዘሎ ከባቢ ጎዴ ኢላሌ ብኩባኒኣ ቻይና ፖሊ ጂሲኤል ኳዕቲ ሸሞንተ ጎዳጉዲ ዝተኻየደ እንትኾን፡ ክልተ ጭቃ ነዳዲ፡ ሽዱሽተ ድማ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ሒዞም ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ጎዴ ኢላሎ ሓዊሱ ኣብ ወርወል፣ ዋርደልን ቀላፊን መጽናዕቲ ክተካይድ ምጽንሓ ይግለጽ።