እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቓወምቲ ዕጡቓት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ንከተማ ባንጋሱ ተቖጻጺሮም
ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ነታ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ናይ’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ባንጋሱ ከምዝተቖጻጸሩ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቶም ብወጋሕታ ናብ’ታ ከተማ ኣትዮም ስርሒት ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ’ታ ከተማ ከምዝረኣዩን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ድማ ውግኣት ይቕጽል ምህላዉን እዩ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሩ፡ ናይ ተቓወምቲ ዕጡቕ ልፍንቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት መጥቃዕቲ ዘካየደ ኾይኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን ንኽልተ ሲሶ እታ ሃገር ተቖጻጺሩ’ሎ።
እዞም ተቓወምቲ፡ መንግስቲ ብ ታሕሳስ 27 ዘካየዶ መረጻ ምትላላት ነይርዎ ክብሉ እዮም ዝኸስሱ። መንግስቲ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
እቲ መረጻ፡ ፕረዚደንትን ኣባላት ባይቶን ንመምራጽ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ፈላማይ ውጽኢት ናይ’ዚ መረጻ ሎሚ ሰኑይ ክግለጽ ትጽቢት ይግበር።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ነዚ ናዕቢ ዝመርሖ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር እታ ሃገር ፍራንኮይዝ ቦዚዝ እዩ፡ ዕላምኡ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ንምፍጻም እዩ ክብል ይኸስስ።
ነቶም ተቓወምቲ ዝድግፍ ቦዚዝ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ተፈጥሮ ሃብታም ሃገር እያ። እንተኾነ፡ ቅድሚ 60 ዓመት ካብ መግዛእቲ ፈረንሳይ ናጻ ካብ እትወጽእ ኣትሒዙ፡ ርግኣት ሓሪሙዋን ተደጋጋሚ ዕልዋ መንግስቲ ዘጋጠማን ሃገር እያ።
ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ሜሪ ሃርፐር ምንቅስቓስ ናይዞም ተቓወምቲ ዝዝሕትል ኣይመስልን እያ ትብል።
ሃብቲ ዳይመንድን ዩራንየምን ዘለዋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት እያ።
ኣብ’ታ ሃገር፡ ኣስታት 13,000 ዓቀብቲ ሰላም ዘዋፈረ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ናይ’ታ ሃገር ረድኤት ዝጽበ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።