ዲሞክራቲክ ኮንጎ፡ ብቕትለት ፕረዚደንት ነበር ላውረንት ካቢላ ንዝተፈረዱ ሰባት ምሕረት ገይራ

ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ኮንጎ ንዝነበረ ላውረንት ካቢላ ብምቕታል ዝተፈረዱ ክልተ ሰባት ምሕረት ተገይሩሎም።

ላውረንት ካቢላ ብሓላዊኡ ዝተቐተለ እንትኾን፡ ኮሎኔል ኢዲ ካፐንድን ጆርጀስ ለታን ድማ ኢድ ነይሩዎም ተባሂሎም ተኣሲሮም።

ብፍላይ የማናይ ኢድ ፕረዚደንት ላውረንት ካቢላ ዝነበረ ኢዲ ካፐንድ ምስ ካልኦት ኣባላት ጸጥታ ብምዃን ነቲ ቅትለት ብምውዳድ ተኸሲሱ ዝነበረ እዩ።

እቶም ተኸሰስቲ ግን ነቲ ገበን ከምዘይፈጸሙ እዮም ዝገልጹ።

እቶም ውልቀ ሰባት ሞት ተፈሪዱዎም ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ፍርዲ ብፕረዚደንት ፈሊክስ ሲሰኬዲ ክለዓል ተገይሩ።

እቲ ምሕረት፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ፈሊክስን ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ወዲ ካቢላ፡ ጆሴፍ ካቢላን ሓጓፍ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን እዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

ድሕሪ ሞት ኣቡኡ መንበረ ስልጣን ዝተረከበ ጆሴፍ ካቢላ ነታ ሃገር ን18 ዓመታት መሪሕዋ እዩ፤ ኣብ 2018 ብዝተኻየደ መረጻ ድማ ፈሊክስ ሰሰኪዲ ተተኪኡ።

ኣብቲ እዋን ኣብ 60 ዓመታት ኣብታ ሃገር ፈላሚ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ዝተገበረ እንትኾን፡ ብዙሓት ግና ሰሰኪዲ ምስቲ ሐዚ እውን ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ጆሴፍ ካቢላ ተስማሚዑ ከምዝመጸ እዮም ዝጥርጥሩ።