እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ 36 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም
ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብውሑድ 36 ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝጸንሐን ኤዲኤፍ ዝተብሃለ ተቓዋሚ ጉጅለ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝእመን።
እቶም ተቓወምቲ ሞሞቨ ናብ ዝተብሃለት ቁሸት ብለይቲ ኣትዮም እዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት በኒ፡ ዶናንት ኪብዋና፡ እቶም ግዳያት ብጎዘሞ ከምዝተቐትሉ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ሰራዊት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ወፍሪ ድሕሪ ምጅማሩ ዛጊት 265 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣብ ግዝኣት በኒ ዝርከቡ ሰብ መዙ ይገልጹ።
ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዕላማ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።