ልእልቲ ላቲፋ 'ኣብ ገዛ ክንክን ይግበረላ ኣሎ' - ንጉሳዊ ቤተሰብ ዱባይ

ልእልቲ ላቲፋ

ልእልቲ ላቲፋ "ኣብ ገዛ ክንክን ይግበረላ" ከም ዘሎ ገንጉሳዊ ቤተሰብ ዱባይ ሓቢሩ። እቲ ቤተሰብ ነቲ መግለጺ ዝሃበ፡ እታ ልእልቲ ኣብ ገዛ ጅሆ ተታሒዛ ከም ዘላ እትዛረበሉ ቪድዮ ቢቢሲ ድሕሪ ምቕልሑ እዩ።

እቲ ብንጉሳዊ ቤተሰብ ዝተውሃብ መግለጺ ወሲኹ "ትመሓየሽ ኣላ፤ ናብ ንቡር ህይወታ ክትምለስ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

ኣብቲ ብሕቡእ ኣብ ዝተቐረጸ ቪድዮ እታ ልእልቲ ንህይወታ ከም እትሰግእ ተዛሪባ። ነዚ ስዒቡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።

2px presentational grey line
2px presentational grey line

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እታ ልእልቲ ብህይወት ምህላዋ ዘረጋግጽ ጭብጢ ክተቕርብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ቤተሰብ ግና ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ዝኾነ ቪድዮ ኮነ ስእሊ ኣየቕረበን፤ ብዛዕባ ኩነታታ'ውን ዝርዝር ኣይሃበን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ምዃኑ ድሕሪ ምዝራብ "ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብፍሉይ ኢና እንሕዞ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና። እቲ ፕረዚደንት [ባይደን] ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ማእከል ናይ ወጻኢ ፖሊሲና እዩ ጌርዎ" ኢሉ።

ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኬነት ሮዝ፡ ንመግለጺ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ላቲፋ ባዕላ ክሳዕ እትዛረብ ንንጉሳዊ ቤተሰብ ዱባይ ዝኣምኖም ከም ዘየለ ሓቢሩ።

እቲ 'ላቲፋ ነጻ ትለቀቕ' ብዝብል ዝካየድ ጎስጓስ'ውን፡ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ከም ዝሃበ ብምሕባር ተኣማኒ ክኸውን ከም ዘይክእል ኣፍሊጡ።