እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ዝጸደቐ ኣዋጅ መራኸቢ ሓፋሽ እንታይ ሒዙ መጺኡ?
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓድሽ ረቂቕ ኣዋጅ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ናብ ተወከልቲ ቤት ምክሪ ቀሪቡ ጸዲቑ ኣሎ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፖሊሲ መራኸቢ ብዙሃን ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።
እቲ ፖሊሲ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይተኻተቱ ዝጸንሑ፡ ብዌብሳይት ዝዝርግሑ ከም በዓል ኦንላይን ሚድያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘካተተተ እዩ።
እቲ ፖሊሲ፡ ኣንፈት ሚድያ ኢትዮጵያ እንታይ ክመስል ከምዘለዎን ኢድ መንግስቲ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእን'ውን ዘካተተ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ወተሃደራዊ ግጭትን፡ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ንመሰላትን ድሕነትን ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ሲፒጄ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ብውሕዱ 7 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ጸብጻብ ናይቲ ትካል ገሊጹ ነይሩ። ገለ መደበር ተለቪዥናት ዝርከብዎም ማዕናት ዜና'ውን ተኣጊዶም ይርከቡ።
ብወገን መንግስቲ፡ ናይ ብሕቲ ሜድያታት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ብሄር መሰረት ዝገበረ ምትፍናንን ጎነጽን የጋድድዎ ኣለዉ ዝብል ነቐፌታታት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ። ቀዳማይ ሚስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ እታ ሃገር ዝነበረ እገዳታት እንተቋረጾ፡ ብምእሳርን ምስርጣይን ጋዜጠኛታትን ምዕጻው ትካላት ሜድያን ክኽሰስ ጸኒሑ'ሉ።
ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሃን እንታይ ኢሉ ነይሩ?
ሕጋዊ ሰውነት ረኺቡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ቤት ምኽሪ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ [ካውንስል]፡ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ኾነ ኣብ ናይ ውልቀ ሚድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ከምኡውን ናይ ሞያ ማሕበራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሓደ ከዕውቶ ዝደሊ፡ ጋዜጠኛታት ስነ ምግባር ሓልዮም ክሰርሑ ንምግባር ከምዝኾነ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ተኣምራት ሃይሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ነቲ ክስረሐሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕሬስ ዝፈተሸን ዘጽነዐን፡ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዝተጣየሸ ግብረ-ሓይሊ፡ ብፍላይ ናይ አፈጻጽማ ጸገማት ከምዝነበረ ኣረዲኡ።
ነዚ ስዒቡ ገለ ናይ ምምሕያሽ ዘተተታት ተኻይዶም፡ ሓድሽ ሕጊ ፕሬስ ክረቅቕ ከምዝተገብረ ይዝከር።
ኣብቶም ዝተኻየዱ ዘተተታት ሰብ ሞያን ኣባላት ውድባት ፖለቲካን ዝተሳተፉ ኾይኖም፡ ክካተት ዝግበኦን ዘይግበኦን ኣመልኪቶም ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
እቲ ረቂቕ ተወሳኺ ዘተ ክካየደሉ ሕቶ ቐሪቡ እንተነበረ'ኳ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ከምዝጸደቐን፡ እቶም ክኣትዉ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተልዓሉ ግን ገሊኦም ከምዝተኻተቱ ይኣምን።
ቤት ምኽሪ መራኺቢ ብዙሃን ዘስተወዐለሎም ዓንቀጻት ኣየኖት እዮም?
ቅድም ክብል፡ ግድፈታት ዝከታተል በዓል መዚ ብሮድካስት ከምዝነበረን ሕዚ ግን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ እዚ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣቶ ተኣምራት የረድእ።
ባዕላዊ ቁጽጽር [self-regulation] ክበረታታዕ ከምዘለዎ፡ እንተኾነ ንቐጻሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝረአዩ ጸገማት ብዝምልከት፡ ኣብቲ ኣዋጅ ምስፋሩ፡ ምስቲ መሰረታዊ መትከል'ቲ ፖሊሲ እቲ ፕሬስ ከምዝጻረር ይዛረብ።
እቲ ቤት ምኽሪ ናይዚ ዓንቀጽ ኣድላይነት ከምዘይኣምነሉን ከምዝተቓወመን'ውን ገሊጹ።
ብወገን መንግስቲ ዝቐርብ ሞጎተ ሓሳብ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚድያ ካውንስል እዚ ተግባር ንምፍጻም ኣብ ዘኽእሎ ብርኪ ቁመና ኣይርከብን ዝብል ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን እቲ ሓላፍነት ንዕኡ ከረክቦ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ንጋዜጠኛ ተኣምራት ግን፡ እዚ ኣበሃህላ ዝወሓጠሉ ኣይኮነን።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ካውንስል ብሲቪል ሶሳይቲ ሕጊ ዝተጣየሸን ዘይሻራውን ስለዝኾነ፡ ቁመንኡ ብዝምልከት መንግስቲ ናይ ምምዛን ተኽእሎ የብሉን።
ካልእ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተቓወሞ ዓንቀጽ፡ ብሮድካስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን፡ ናይ ስነ ምግባር ደንቢ የርቅቕ ምባሉ እዩ።
በዚ ሕድሽ ኣዋጅ መሰረት፡ ብሮካስት በዓል መዚ፡ ስሙ ናብ ሚድያ በዓል ስልጣን ተባሂሉ ክቕየር ከምዝኽእል የመልክት።
ንኣቶ ተኣምራት፡ ናይ ስነ-ምግባር ደንብ ምውጻእ ናይ ሰብ ሞያን ወነንቲ ትካላት ሚድያን 'ምበር ናይ መንግስቲ ግደ ኣይኮነን። መንግስቲ ሕግን መምርሕን 'ምበር ደንቢ ከውጽእ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ሞጎት የቕርብ።
ኣቶ ተኣምራት ከምኡ ይበል'ምበር፡ መንግስቲ ነቲ ረቂቕ ኣውጺኡ ኣብ ከይዲ ምጽዳቕ ከምዝርከብ እዩ ዝንገር።
እቲ ደንቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ረቒቑ ከምዝርከብ ይእመን። እቲ ደንቢ ንብሮድካስት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኦንላይን ኮነ ሕትመት ሚድያታት ዘየካተተተ ብምዃኑ ድማ ኣይቕበሎን።
ኣቶ ተኣምራት፡ ገለ ዓንቀጻት ድማ ኣብቲ ንዘተ ዝቐረበ ዘይነበረን ደሓር ዝተወሰኸን ከምዝኾነ ይዛረብ።
ንኣብነት፡ መንግስታዊ፣ ናይ ብሕትን ናይ ማሕበረሰብ ሚድያን ዝበሃሉ ሰለስተ ዓይነት መራኸቢ ብዙሐን ከምዝነበሩን፡ ደሓር ግን እቲ ረቂቕ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት እንትለኣኽ፡ 'ፍሉይ ናይ ህዝቢ ሚድያ' ዝበሃል ከምዝተወሰኸ ይዛረብ።
እዞም ሓደሽቲ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን፡ ብግብረ ሰናይ ትካላት ዝተመዝገቡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ዘጣይሽዎም ምዃኖም ተገሊጹ። ካብ ህዝቢ ብልገሳ ብዝተረኽበ ገንዘብ ከምዝጣየሹ እዩ ዝግለጽ።
ዋንነት መራኸቢ ብዝሃን
ኣብቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ናይ ደገ ዜግነት ዘለዎም ሰባት 25 ሚኢታዊት እጃም ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ኣቶ ተኣምራት ከምዝብሎ፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ናይ ሚድያ ዋንነት ንዜጋታት ጥራሕ ክግደፍ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይገልጽ።
እዚ ካብ መነጽር ድሕነት ሃገር'ውን ተራእዩ፡ እቲ ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ዲያስፖራ ጥራሕ ክካተቱ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዝነበረ ይዝክር።
እቲ ኣዋጅ ዝጸደቐ እዚ ከይተረእየ እንተኾይኑ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ክረአ ከምዘለዎ ይዛረብ። ይኹን'ምበር፡ ሕዚ'ውን ኣብቲ ኣዋጅ ንኢትዮጵያውያን ቀዳምነት ክወሃብ ከምዝግባእ ኣብቲ ከምዝተጠቕሰ የረድእ።
እዚ ንትውልደ ኢትዮጵያውያን፡ ተሳትፎ ኣብ ሚድያ ዘበረታትዕ ክምዝኸውን ድማ ብኣወንታ ኣልዒሉዎ።
'መጸለምታ' ትማልን ሎምን
እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ፡ ኣብቲ ቅድም ክብል ተኻቲቱ ዝነበረን ጋዜጠኛታት ብገበን ክኽሰስሉ ዝጸንሐን፡ 'ጠቐነ' ወይከኣ 'መጸለምታ' ክተርፍ ምግባሩ ዝነኣድ እዩ።
ድሕሪ ሕዚ፡ ብመጸለምታ ዝተኸሱ ጋዜጠኛታት ብፍትሃ-ብሄር ሕጊ እዮም ክዳነዩ ይብል ተኣምራት።
እንተኾነ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ተመሳሳሊ ነገር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ኣደባበይ እንተተዛሪቡ ብገበን ክሕተት ይኽእል እዩ።
ብርግጽ፡ እዚ ጠቐነ፡ ሰባት ካብ ገበን ንምምላጥ ብሚድያ ክገብርዎ ከይበረታትዑ ይኽሉ እዮም ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
እንተኾነ ብሚድያ ናይ ሰብ ስም ምጽላም፡ ክሳብ 300 ከምዘቕጽዕ ኾይኑ ሓፍ ክብል ተገይሩ ኣሎ።
ምስ ብሮድካስት በዓል መዚ ዝህሉ ናይ ረብሓ ዘይምቅዳው
በቲ ኣዋጅ መሰረት፡ ሰራሕተኛታት በዓልመዚ ብሮድካስት ፡ ትካል ሚድያ ካብ ምውናን ተኸልለኪሎም ኣለዉ።
እዚ ካኣ ናይ ጥቕሚ ግጭት ንምውጋድ ከምዝኾነ ተገሊጹ እዩ።
እቲ ናይ ጥቕሚ ግጭት ከምዘሎ ኾይኑ፡ እዚ ግን ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን 'ምበር ምስ ተራ ሰራሕተኛታት ክተኣሳሰር ከምዘይነበሮ ኣቶ ተኣምራት ይዛረብ።
እቶም ተራ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ኣብ ዝደለዩዎ ናይ ሞያ ካብ ምውፋር ከምዝእግዶም ይገልጽ።
በዚ ኣዋጅ ብዙሓት ሚድያታት ክዕንብቡ እዮም እንተተብሃለ'ኳ፡ ብዙሓት ካብ ዕዳጋ ንኽወጽኡ ምኽንያት ዝኾነ ጉዳይ ምልላይ ብኸመይ ከምዝተርአየ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።
መንግስታዊ ሚድያታት ብብዝሒ ምልላይ፡ ንዓመዋለን ተራ ከትሕዝዎን ዝስተውዓል ኾይኑ፡ ንብሕቲ ሚድያ ግን እዚ ሕልሚ እዩ።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላት ኣብ መንግስታዊ ሚድያታት ጥራሕ ስለዘላለዩ እዩ።
እዚ ብዝምልከት፡ ኣብቲ እዋን ዘተ፡ ድምጺ ብዙሓት ዓው ኢሉ ዝተሰምዐ ኾይኑ፡ እንታይ ዝኣክል ምላሽ ከምዝረኸበ ንቕድሚት ዝረአ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ሓድሽ ዝጸደቀ ኣዋጅ፡ ገና ብነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ስለዘይወጽአ ኣዮኖት ሃነጽቲ ሓሳባት ተኻቲቶም፡ ኣይኖት ዕሽሽ ከምዝተብሃሉ ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።