እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ሚያንማር፡ ሕቡራት ሃገራት ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ንዘሎ ጁንታ ኣጠንቂቑ
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሚያንማር ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰራዊት ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንምዕፋን ጭካነ ዝመልኦ ስጉምቲ እንተወሲዱ "ብርቱዕ ሳዕቤናት" ከም ዝስዕቦ ኣጠንቂቑ።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሪስቲን ሽራነር ባርገነር ሰባት "ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምውዳብ መሰሎም ክኽበር ኣለዎ" ኢላ።
ኣብታ ሃገር ንኽልተ መዓልቲ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ኢንተርነት ሰሉስ ንጉሆ ተመሊሱ ኣሎ።
እቲ ካብ ለካቲት 1 ጀሚሩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞታት ንምዕባስ ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ከም ዝቋረጽ ክገብር ጸኒሑ።
ክሪስቲን ሽራነር፡ ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበት ብሰኑይ ምስ ምክትል ኣዛዚ እቲ ጁንታ፡ ሶ ዊን፡ ብሰኑይ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ምዃኑ ሓደ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት "ቀንዲ ዲሞክራስያዊ መትከላት ዘዳክም" ምዃኑ እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ኣዘኻኺራ።
ሰራዊት ሚያንማር ነቲ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝተመረጸ መንግስቲ ብምእላይ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ተቓውሞኡ የስምዕ ኣሎ።
እቲ ሰራዊት ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ስርቂ ከም እተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ብዲሞክራስያዊ ጎስጓስ ንእትፍለጥ ኣን ሳን ሱ ቺ እትርከቦም ሰበስልጣናት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። እንተኾነ ግና ነቲ ዘቕረቦ ክሲ ዝኾነ መርትዖ ኣየቕረበን።
ሰልፈኛታት ሰሉስ'ውን ኣብ ከም ያንጎን ማንዳላይን ዝኣመሰላ ከተማታት ኣንጊሆም ናብ ጎደናታት ወጽዮም ኣለው።
ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ብሰንኪ እቲ ተቓውሞታት ኣብ መንጎ ከተማታት ያንጎንን ማውላሚይን ኣገልግሎት ባቡር ተቋሪጹ ኣሎ።
ብዝሒ ሰልፈኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ክወዳደር ከሎ ግና ዝወሓደ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ እዩ። እቲ ጁንታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ስርሖም ከይፍጽሙ ዝዕንቅፉ ሰባት ክሳብ 20 ዓመት ክእሰሩ ከም ዝኽእሉን እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍርሕን ናዕብን ዘሳውሩ'ውን ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሸውዓት ዓመት ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ።
ብቐዳም፡ ብዘይፍቓድ ቤትፍርዲ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ክሕዝ፡ ክኣስርን ክፍትሽን ዘኽእሎ ስልጣን ንባዕሉ ክህብ እንከሎ፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ስልጣን ዝሓዘሉ መገዲ 'ዕልዋ' ኢሎም ከይገልጽዎ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ጎንጺ እናወሰኸ ዝመጽአ ኾይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ናይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ክትኩሱ ተራእዩ።