እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ሚያንማር፡ ውሕሃ ‘ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት’ ክምርምር ኣባላት ባይቶ ሓቲቶም
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብሰራዊት ሚያንማር ዝፍጸም ዘሎ ዝበልዎ ምግሃስ ክምርምሮ ኣስታት 300 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ'ታ ሃገር ጸዊዖም።
ንሳቶም ናብቲ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ከም ዝተኮሱ ከሲሶም።
ልኡኽ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ምጥቃሞም ዘርእይ መርትዖ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ'ውን፡ ሚያንማር ንተቖጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት መገዲ ክትከፍት ጸዊዑ።
ኣንጻር'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰራዊት ዝተኻየደ ዕልዋ ክግበር ዝቐነየ ህዝባዊ ተቓውሞታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።
ሰልፈኛታት ብዓርቢ'ውን ነቲ ምእካብ ዝኽልክል እገዳታት ብምጥሓስ ተቓውሞታቶም ቀጺሎም ውዒሎም።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣን ሳን ሱ ቺ እትርከቦም መራሕቲ ክፍትሑ ይጠልቡ።
እቶም ሰልፈኛታት ደጊሞም ናብ ጎደናታት ኣብ ዝወጽኡሉ፡ ፖሊስ ነይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ከም ዝተኮሰሎም ገለ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብዘይካ'ዚ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ተሳቲፍኩም ብምባል ክኣስሩዎም ሓይልታት ጸጥታ ነናብ ገዝኦም ከም ዝከዱዎም ዝገልጽ ጸብጻባት'ውን ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣባላት ስድራቤት ሰራሕተኛታት ጥዕና ምስ ኣባላት ጸጥታ እናተኸራኸሩ ዘርእዩ ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ተዘርጊሖም ኣለው።
ብኻልእ ወገን ሰራዊት ሚያንማር "ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ" ቀጺሉ ከም ዘሎ ዝገልጽ ፌስቡክ፡ በቲ ሰራዊት ንዝዝርጋሕ ሓበሬታ ቀይዲ ክገብረሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ተኸሲቱ?
ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጀኔቫ፡ ጁልያን ብረይዝወይት ነቲ ብኣባላት ፓርላማ ሚያንማር ዝተጽሓፈ ደብዳበ ኣንቢብዎ።
ንሱ፡ እቲ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ተገሊጹ ዘሎ ዓመጻት ክምርምር ሓቲቱ።
እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ማእሰርቲ ሲቪላውያን መራሕቲ፡ ቶክሲ ኣብ ሰልፈኛታትን ምዕፋን ናይ ምዝራብ መሰላትን ኣስዒቡ ምህላው ገሊጹ።
መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር፡ ቶማስ ኣንድሪውስ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መርመርቲ ናብታ ሃገር ክኣትው ፍቓድ እኳ እንተዘይረኸቡ፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ጠያይቲ ከም ዝተተኮሰ ዘርእይ፡ "ብዙሕ ናይ ፎቶግራፍ መርትዖታት" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ህዝቢ ሚያንማር ተስፍኡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ ምህላውን፡ ኪንዮ ናይ ወረቐት መግለጺ ከም ዝጽበን ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሚያንማር፡ ቁጠባዊ እገዳ፡ ምኽልካል ሰደድ ኣጽዋርን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውያን መራሕቲ ናይ መገሻ እገዳን ክግበር ጸዊዑ።
ብድሕሪ'ዚ እተን 47 ኣባል ሃገራት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እሱራት ፖለቲካ ብህጹጽን ብዘይቅድመኩነታውን ክፍትሑን እቲ ዝተመረጸ መንግስቲ ሚያንማር ናብ ስልጣኑ ክምለስን ዝጠልብ ውሳነ፡ ኣጽዲቐን።
እቲ ብብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝቐረበ እማመ፡ ናይ ኢንተርነት ቀይድታት ክለዓል፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምሃብ ከልካሊ ዘይብሉ መገዲ ክኽፈትን ተቖጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክኣትው ክፍቀደሎም'ውን ይሓትት።