እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማያንማር፡ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለት ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክሲ ተመስሪትዋ
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሚያንማር ዕለዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዘላ መራሒት ገዛኢ ሰልፊ ኣንግ ሳንሱ ቺ፡ ክሲ ከምዝመስረተ ተፈሊጡ።
ክሳብ 15 የካቲት ኣብ ቀይዲ ከምእትጸንሕ ድማ እቲ ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሰነድ የመልክት።
ካብ መንጎ ‘ቶም ዝቐረቡላ ክስታት፡ ንግዳዊ ሕግታት ሰደድን ኣታዊን ምጥሓስን ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ርክባት ምውናን ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣንግ ሳንሱ ቺ፡ ኣበይ ቦታ ተኣሲራ ከምዘላ’ኳ ብንጹር ኣንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ከመዘላ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዊን ሚዪንት ዝተብሃለ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት እታ ሃገር ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዝርከብን፡ ኣብ ልዕሊኡ፡ ‘ኣዋጅ ኮሮናቫይረስ ብምጥሓስ’ ዝብል ክሲ ተመስሪትዎ ኣሎ።
ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ባሕቲ የካቲት ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ጀሚሩ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ድምጺ ኣይተሰምዐን።
ኣብ ሚያንማር እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?
ብሰኑይ ኣጋ ወጋሕታ፡ ሰራዊት ሚያንማር ንመራሒት'ታ ሃገር፡ ኣን ሳን ሱ ቺን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው’ዩ ስልጣን ተቖጻጺሩ።
እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ'ቲ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስትን ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ስዒቡ እዩ ተወሲዱ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብኣን ሳን ሱ ቺ ዝድገፍ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ (NLD) ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም እኹል መናብር ተዓዊቱ ነይሩ።
ብሰኑይ፡ ሓድሽ ፓርላማ ቀዳማይ ኣኼባኡ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰንኪ 'ኣብ'ቲ መረጻ ዝተፈጸመ ዝበሎ ምትላል ናብ ጠቕላሊ ናይቲ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኣንግ ህሌንግ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ስልጣን ናብ ሰራዊት ምስግጋሩን መደበር ተሌቪዥን ሰራዊት ኣዊጃ።
ኣንግ ሳን ሱ ቺ ብወገና፡ ንደገፍታ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ "ነዚ ከይትቕበልዎ" ብምባል "ኣንጻር እቲ ዕልዋ ተቓውሞታትኩም ኣስምዑ" ክትብል ጸዊዓ ነይራ።
እታ በርማ ተባሂላ'ውን እትጽዋዕ ሚያንማር፡ ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክሳብ ትጅምር ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ'ያ ትነብር ነይራ።
ኣብ 2015፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ውድድር ዝተራእየሉ ምርጫ ምስ ተኻየደ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ብገፊሕ ተዓዊቱ፤ ንሳ ድማ ናብ መንበረ ስልጣን ደይባ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብቶም ተኸተልቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ሰፊሕ ደገፍ ኣለዋ።
ብዓይኒ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣስላም እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ክትንቀፍ ብምጽንሓ፡ ክብራ ድማ ወሪዱ።
እቶም ክስታት እንታይ ይብሉ?
እቶም፡ ‘ቀዳማይ ብርኪ ጸብጻብ’ ኣብ ዝብል ናይ ፖሊስ መዝገብ ዝርከቡ ክስታት፡ ንቤት ፍርዲ ቀሪቦሙሉ እዮም። ኣንግ ሳንሱ ቺ፡ ገለ መሳርሕታት ኮምኒኬሽን [ዎኪቶኪ] ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ መንበሪ ገዝኣ ኣእትያ ክትጠቀም ከምዝጸንሐት እቲ ክሲ ይገልጽ።
እቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዘሎ ሰነድ ክሲ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንምሕታት፣ መረዳእታት ንምትእኽኻብን ምእንታን ክከኣል እታ መራሒት ኣብ ቀይዲ ክትጸንሕ ይጠልብ።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ሚን ሚያንት ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ናይቲ ዝሓለፈ መረጻ፡ ኣዋጃት ኮሮናቫይረስ ብምጥሓስ ልዕሊ 220 ዝኾኑ ደገፍቱ ኣብ ሓደ ምጽቕቓጥ ዝነበሮ ጸቢብ ኣዳራሽ ኣኪብካ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሉ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ስልጣን ተቖጻጸሩ ኣሎ። ንሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ዘቤታዊ ጉዳያትን ጥዕናን ሓዊሱ፡ 11 ሚኒስትራት ድማ ብኻልኦት ተተኪኦም ኣለዉ።
ተቓውሞታት፡ ዕልዋ መንግስቲ
ነጠፍቲ ሚያንማር ሲቪላዊ ኣብያ ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።
እቲ ብሰኑይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን፡ ትማሊ ንጎሆ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ያንጎን ድማ፡ ሰባት "እቲ ብተሪር ቃልስና ዘምጻእናዮ ስርዓት ዲሞክራሲ መሊስና ስኢናዮ ኢሎም" ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ንሓጺር እዋን ዝረእይዎ ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ብሓጺሩ ከምዝተቖጸየ ይስመዖም።
ብመንግስቲ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ወይዘሮ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክትፍታሕ ብምጥላብ፡ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ጀሚሮም ኣለዉ።
ካልኦት ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ድሮ ሰላመዊ ተቓውሞ ዘርእዩ ምልክታት ሒዞም ክወጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ገሊኦም ቀያሕቲ ካልኦት ድማ ጸሊም ሕብሪ ዝተለኸዩ ጨርቂ ብምእሳር ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታይላንድ ሰልፈኛታት ዘርእይዎም ዝነበሩ ናይ ኣጻብዕቲ ምልክታት’ውን ከርእዩ ተስተውዒሎም።
ትማሊ፡ ሓደ ቢቢሲ ስሙ ክጸርሖ ዘይደለየ ወዲ 25፡ " ዓለም ከምዚ ክትገላበጠና ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን። ግን ድማ ደጊምና ናብዚ ክንምለስ ኢና ዝብል ስምዒት ኣይነበረንን" ክብል ተዛሪቡ።
መስራቲ ኔትወርክ ማናእሰይ ያንጎን ዝኸነ ዢንዛር ሹንለይ፡ ንሰቪላዊ ዘይምምእዛዝ ብምጥቃም፡ መናእሰይ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ከም ቀንዲ መገዲ ገይሮም ይጉስጉሱሉ ከምዘለዉ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ብፍላይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነዚ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምግልጋል ጠጠው ከብሉ ይጽውዑ ኣለዉ” ኢሉ።
ነቲ ሲቪላዊ ዘይምምእዛዝ ዘተሓባብር ሓደ ጉጅለ ኣብ ፌስቡክ ተጣይሱ ከምዘሎ ይዝረብ።