ቅልውላው ትግራይ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ቅልውላዉ ትግራይን ሳዕቤናት ኲናትን

ዝተመዛቡ ስደተኛታት ኢትዯጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝወስድ 100 መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይን ዝተወለዐ ኵናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።

ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ነቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ገደባት ከጋጥመን ከምዝጸሐ ኣብ ዝገልጻሉ ዘለዋ እዋን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ህጹጽ መግቢ ናብቲ ክልል ከእቱ ምስ መንግስቲ ከምዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ'ሎ።

ካብ ፈለማ ክሳብ ሎሚ ንዘነበረ ምምዕባለታት እቲ ግጭት ዝድህስስ ጽሟቕ ትሕዝቶን ቀንዲ ፍጻሜታትን ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2020 ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፋና ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል መሊሱ። ንሱ ይኹን እቲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም'ውን ገሊጹ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ወተሃደር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ቀንዲ ፍጻመታት ናይቲ ግጭት

ብ3 ሕዳር 2020 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ናይቲ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕጥቅን ሰብን ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተቖጻጺሮሞ።

ኣብቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ እዚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ጀነራል መኮንናት ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣዘዝቲ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራትን ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ናይቲ እዚን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ኣትዩ።

ንጽባሒቱ 4 ሕዳር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ ስጉምቲ "ቀይሕ መስመር ዝሰገረ'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ሰጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ቤት ምኽሪ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

ኣብ ዝቐጸላ መዓልታት ድማ ሰራዊት ፈደራል ብነፈርቲ ውግእን መካናይዝድ ኣሃዱታትን ዝተሰነየ መጥቃዕትታት ብደቡባዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምብራቕን ከፊቱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ሰሙን ናይቲ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት መንግስቲ ኣትዩ።

ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ማይ ካድራ ተባሂላ እትፍለጥ ከተማ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጃምላ ምቕታሎም ተረጋጊጹ። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሓይልታት ትግራይ ዝፈጸምዎ ምዃኑ'ኳ እንተኸሰሱ፡ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ገበን ብምኹናን ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ዩ።

ብቀዳም 7 ሕዳር ለይቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሚሳይላት ወጪፎም። ብ20ን ን23ንሕዳርን'ውን ብውሕዱ ኣብ ከተማ ባህርዳ ተመሳሳሊ ደብዳባት ተኻይዶም።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ11 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህጹጽ ኣዋጅ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ክፍላ ሕዳር ኣብ ዝቐጸሉ ውግኣት ድማ፡ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ንከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱምን፡ ዓዲ ግራትን ካልኦት ሰፋሕቲ ከባቢታትን ተቖጻጺሮም።

ብ13 ሕዳር ከኣ፡ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ክኸውን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተሸይሙ። ናይ ባዕሉ ካቢኒ ብምሕራይ ድማ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቚሙ ነቲ ክልል ንምርግጋእ ይፍትን ኣሎ።

መራሕቲ ህወሓት ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ከምዝቐየሩ ብምግላጽ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምግዳፎም፡ ብ28 ሕዳር ሓይልታት ፈደራል ናብታ ከተማ ኣትዮም።

ኣብታ መዓልቲ ኸኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ዘካየዶ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ብምእዋጅ፡ ዝተርፍ ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ምእታው ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ እቲ መዓልታት ጥራይ ከምዝወስድ ዝተነገረሉ ስርሒት ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ቀጺሉ'ሎ። ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ረጽሚ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣብቲ ኵናት ዝተቐትሉ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ብወግዒ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ብኣማኢት ወይ ኣሽሓት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ዝተቐትሉን ዝተኣስሩን መራሕቲ ህወሓት

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሓያሎ ቀንዲ መስረቲን መራሕትን ህወሓት ዝኾኑን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝነበሩን ቀቲሉን ኣሲሩን ኣሎ።

ንኣስታት 20 ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝሰርሐን ሓደ ካብ ቀዳሞት መስረቲ ህወሓትን ዝኾነ ኣቶ ስዩም መስፍን፡ መዘናኡ ዝኾነን ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ጸሃየን ዓይነስዉርን ስንኩልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰን ብ13 ጥሪ ተቐቲሎም።

ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነን ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዝንገረሉን ኣቶ ስብሓት ነጋ ድማ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2021 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሌ/ኮለነል ጻዕዱ ሪችን፡ ሓፍቱ ቅዱሳን ነጋን'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።

ብዘካይካኡ፡ ንነዊሕ ኣዋን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ምክትል ርእሰምምሕዳር ናይቲ ክልልን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረ ዶ/ር ኣብራሃም ተኸስተ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ትግራይ'ውን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡ ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ኣካይዶም ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሎም ምህላዎም ይፍለጥ።

ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር

ምንጪ ስእሊ, bbc/Fana

መግለጺ ስእሊ, ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር

ሓንቲ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን፡ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝነበረትን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ግን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኢዳ ሂባ ምንባራ ይዝከር።

ሓያሎ ወታሃደራውያን መራሕቲ ከምዝተቐትሉን ከምዝተታሕዙ'ውን ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ወታሃደራዊ መኮንናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ፖሊስን ካልኦት ዝሰርሑ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉን ካብ ስራሕ ክድስክሉን ከምዝተገብረ ሰብመዚ መንግስቲ ዝኣመንሉ ጉዳይ'ዩ። እቲ ስጉምቲ፡ ብሄር መስረት ዝገበረ'ዩ ተባሂሉ ሓያል ነቐፌታ ዘስዓበ'ዩ ነይሩ።

እቲ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ

እቲ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ምህላዉ ሰብመዚ መንግስትን ትካላት ረዲኤትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወሃብቲ ረዲኤት ትካላት ናብቲ ክልል ብምእታው ህጹጽ ደገፍ ከይህቡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም'ዮም ጸኒሖም። ድሒሩ ብመንግስትን ገለ መሻርኽቲ ትካላትን ናብቲ ክልል ዝተሰደ ሓገዝ'ውን እኹል ከምዘይኮነ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ክፈናቕል እንከሎ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ካልኦት'ውን ህጹጽ ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዝ ከምዘድልዮም ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።

ኣብቲ ክልል ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፡ ማእከላት ጥዕና ስርሐን ደው ኣቢለን'የን ጸኒሐን። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ 5 ሆስፒታላት ጥራይ ይሰርሓ ምንባረን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

መስመራት ርክብ፡ ማለት ኣገልግሎት ተለፎን ይኹን ኢንተርነት ኣብቲ ክልል ተቛሪጹ ብምንባሩ እቲ ኲናት ኣብ ናይ ሓበሬታ ጸልማት'ዩ ተኻይዱ። ካብ ክፍላ ጥሪ ጀሚሩ ግን ኣብ ገለ ከተማታት ኣገልግሎት ተሌፎንን መጓዓዝያን ጀሚሩ'ሎ። ካልኦት መሰረታውያን ኣገልግሎታት'ውን በቲ ኩነታት ተጽልዮም'ዮም።

ንኩነታት ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዘብርህ መግለጺ

ብዘይካ'ዚ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቒቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብፍላይ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ክሳብ ሕጂ ክብጽሓ ስለዘይተኻእለ፡ እቶም ኣብአን ዝነበሩ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቖም። ዝተጨውዩን ዝተቐትሉን ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዓጽወን ከምዝወሰነ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካ ዝርከብዎም ወገናት ነቲ ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ጾታዊ ዓመጻት፡ ቅትለት፡ ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎ ከበድቲ ምግሃሰ ሰባዊ መስላት ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረ ጠሊቦም ኣለዉ።

ዞባዊ ገጽ ናይቲ ግጭት

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከየስዕብ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይቲ ኵናት መራሕቲ ህወሓት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ደብዳባት የካይድ ምንባሩን፡ ሓያሎ ኣሃዱታት ኣብ ትግራይ ኣእትዩ ምንባሩን ክኸሱ ተሰሚዖም።

ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ኤርትራ "ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ።

ገለ ኣሃዱታት ሰሜን እዝ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዛሪቦም'ዮም።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዶባት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኦም ምንባሮምን፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ይእለዩ ምንባሮም'ውን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ብ14 ሕዳር ንፈለማ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዶም። ዕለት 26ን 27ን ሕዳር'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ኣካይዶምም።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, © UNHCR/CHRIS MELZER

ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ብቐጻሊ ዝተኻየደ ደብዳባት ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ ኣይነበረን።

ሕብረት ኤውሮጳ ብዕለት 8 ለካቲት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓተተት ኣነጺራ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ክስታት ኣመሪካ "ግጉያትን ግምታውን" እዮም ብምባል መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ኣፍሊጡ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ።

ሱዳን'ውን በቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት ተጸልያ'ያ። ካብቲ ፈለማ ናብ ዓውደ-ውግእ ዝተቐየረ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ዝሃደሙ ስደተኛታት ሃንደበት ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ውሒዞም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ክልል ዝሃደሙ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሓይልታት ሶማልያ ኣብቲ ውግእ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ሓበሬታ'ኳ ተናፊሱ እንተነበረ፡ መንግስቲ ሶማልያ ግን ስኑዕ ዜና ምዃኑ ብምግላጽ ነጽግዎ'ዩ።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝተፈተነ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ።