ምሕረት ዝተገብረሉ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ዓማጺ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Zamfarate State Gov
ኣብ ናይጀርያ ሓደ ፍሉጥ መራሒ ዓመጺ ጉጅለ ዝኾነ ምሕረት ተገይርሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣምሪሑ።
ዛምፋራ ዝተብሃለት ግዝኣት ናይጀርያ፡ መራሒ እቲ ጉጅለ ኣዋሉን ዳውዳዋ፡ ተግባራት ዓመጽ ጠጠው ኣቢሉ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ኢዱ ከምዝሃበን 20 ጠመንጃ ከምዘረከበን ኣፍሊጣ ነይራ ።
ሓለፊ ጸጥታ እታ ግዝኣት፡ ሚስተር ዳውራን፡ እቲ ውልቀሰብ እቲ ካብ ጎረቤት ግዝኣት፡ ካንካራ ካብ ዝተብሃለት ቤት ትምህርቲ፡ 300 ተምሃሮ ዝተጨውይሉ ኣጋጣሚ ንሱ ቀንዲ ኣዋሃዲ እቲ ሰርሒት ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
እቶም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ ዝተጨውዩ ተምሃሮ ብዝርርብ ነጻ ተሰዲዶም እዮም።
ካብታ እቶም ተምሃሮ ዝተጨውዩላ ግዝኣት ካስቲና ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን።
ንሱ፡ "ኣነ ተቐይረ እየ፤ ካልእ ሰብ እየ። ዕላማይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ጥዑይ ዜጋ ምዃን እዩ " ኢሉ።
ሚስተር ዳውራን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ መራሒ እቲ ዓመጽ ዘካይድ ገበነኛ ጉጅለ መሻርኽቱን ዕኑድ ገበነኛታት'ኳ እንተነበሩ፡ ንስሓ ገይሮም እዮም ኢሉ።
ገለ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ምሕረትን ዕርቅን ንገበነኛታት ግቡእ ቅጽዓት ከይረኽቡ ዝገብር እዩ ይብሉ።
ሰብ ስልጣን እታ ግዝኣት ግን፡ ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብ 2019 ጥራይ 80 ጨወይቲ ባዕሎም ኢዶም ከምዝሃቡ ይገልጹ።
ብኻልእ ዜና ድማ፡ እታ ግዝኣት፡ ንሓደ ኣብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ይሳተፍ ነይሩ ዝበሎ መራሒ ጉጅለ፡ ሓሩና ሙሳ ሞታ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







