ተቐናቐንቲ ወገናት ኵናት ሓድሕድ ሊብያ ግዝያዊ ናይ ሓባር መንግስቲ መሪጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ዝጸንሑ መንግስታት ሊብያ ሓድሽ ሃገራዊ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቶም።
እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ከካይድዎ ዝጸንሑ ልዝብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሰለስተ ኣባላት ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪን ሓርዮም ኣለዉ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር: ኣብ ዝመጽእ ታሕሳስ ምርጫ ክሳብ ዝግበር ዘገልግል ክኸውን'ዩ።
ነቲ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝጀመረ ስምምዕ ሰላም: ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ይግለጽ።
ሊብያ፡ ኣብ 2011 ሙዓመር ጋዳፊ ብሓይልታት ኔቶ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላዉ ጀሚራ'ያ ናብ ቅልውላው ኣምሪሓ።
እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ መጠን ሃብቲ ነዳዲን ጋዝን ዘለዋ ሊብያ፡ ስርዓት ጋዳፊ ምስ ወደቐ ዝነበሮ ወታሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣትዩ።
እቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ነታ ሃገር መሰጋገሪት ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትከውን ገይሩዋ።
ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ መሓመድ ዮኑስ መንፊ፡ ሓላፊ ፕረዚደንታዊ ቤት ምኽሪ ክኸውን ተሓርዩ።
ነጋዳይ ከተማ ሚስራታ ዝኾነ ዓብደልሓሚድ ድበይባህ ድማ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኽውን ተመሪጹ'ሎ።
እቶም ሕጂ ስልጣን ተዋሂቦም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኣብቲ ን24 ታሕሳስ 2021 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ኣይክሳተፉን'ዮም።
ኩሎም እቶም ንላዕለዋይ ጽፍሕታት ዝተወዳደሩ ፖለቲከኛታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ 30 ሚእታዊት ቦታታት ክሕዛእ ተሰማሚዕም።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደ: ዘይምስምማዕ ዝፈጠረ ምርጫ፡ ክልተ ማእከላት ስልጣን ተፈጢሮም'ዮም ጸኒሖም።
እቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ምብራቕ ዝርከብ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ወገን ድማ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣብ ምዕራብ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ዝነበረ'ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ድማ ዓለምለኻዊ ደገፍ ዝነበሮም'ዮም። ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ምህላዎም'ውን ይፍለጥ።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ስተፋኒ ዊልያምስ ከምዝበለቶ፡ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ ካቢነ ክምስርት 21 መዓልታት ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኩሎም ምስ ተሰማምዕሉ "እቶም ብማዕረ ክኸዱ ዝጸንሑ ሰብመዚ ከምዘየለዉ ክኾኑ'ዮም" ክብል ነቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋብአ ፖለቲካዊ ልዝብ ሊብያ ተዛሪባ።
ዋላ'ኳ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ተኻይዶም እንተኾኑ፡ እዚ ዝሓሸ ተስፋ ተገይሩሉ ዘሎ ሓድሽ ተበግሶ እንተ ተዓዊቱ፡ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያውን ሰላማውን መድረኽ ከሰጋግራ ዕድል ከምዘሎ ተንተንቲ ይእምቱ።
ይኹን እምበር እቲ ሰናይ ድሌት ኣብ ግብረመልሲ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝውሰን ክኸውን'ዩ።
ሊብያውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ እቲ ስምምዕ እግሪ ተኺሉ ንቕድሚት ክሰጉም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ክኸውን'ዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







