ካናዳ ንትራምፕ ንዝድግፍ ጉጅለ ፕራውድ ቦይስ፡ "ኣሸባሪ" ኢላቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካናዳ፡ ፕራውድ ቦይስ ዝተባህለ የማናዊ ኣኽራሪ ጉጅለ፡ "ኣሸባሪ" እዩ ኢላ።
ሚኒስትሪ ድሕነት ህዝቢ ካናዳ ቢል ብሌይር፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣመሪካ ካፒቶል ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ስለ ዝተሳተፈ፡ ብኣሸባርነት ንኽትምዝግቦ ምኽንያት ከም ዝኾና ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ጉጅለ ንብረቱ ከይንቀሳቐሱ ክእገድ እዩ። ሓሓሊፉ’ውን ኣባላት እተ ጉጅለ ጥፍኣት ኣጥፊኦም እንተተረኺቦም ብገበን ሽበራ ክኽሰሱ’ዮም።
እቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ብኣባልነት ዝሓዘ ጉጅለ፡ ብወግዒ ጸረ ስደተኛታት ከም ዝኾነ ዝገልጽን ብዙሕ ግዜ ስሙ ምስ ዓመጽ ዝተሓሓዝን’ዩ።
እዚ ጉጅለ ብ2016 ብካናዳዊ ጋቪን ማክኢንስ እዩ ቆይሙ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉጅለ ፕራውድ ቦይስ፡ ሓሳባት ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ዝድግፉ ሓሳባት እዮም ዘሰጉሙ።
ኣብ ቀረባ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ትራምፕ ምስ ጆ ባይደን ኣብ ዝተወዳደረሉ እዋን፡ ሽም እዚ ጉጅለ ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ፕሬዝደንት፡ ልዕልነት ጸዓዱ ስለ ዘጉልሕ እቶም ጉጅለታት ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን እዩ “ንኣብነት ፕራውድ ቦይስ” ኢሉ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብቲ ፕሬዝደንት እወንታ ተሂቡና’ዩ ብምባል ድልው ኮይኑ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ፡ ብውጽኢት መረጻ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሃገር በቆል ኣሸበርቲ ሓደጋ ከብጽሑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል መጠንቀቕታ ምስ ወጽአ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ካናዳ ኣሸባሪ ጉጅለ ክትብል ፈሪጃቶ ዘላ።
ካናዳ ነዚ ምስ በለት፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ኣብ ሲያትል ንዝርከብ ክንፊ ናይ'ቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ።
ወዲ 30 ዓመት ኢተን ኖርዲን ኣብ ባይቶ ኣመሪካ (ካፒቶል) ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝውዓሉ ሸሞንተ ኣባላት ሓደ እዩ።
ሚኒስትሪ ካናዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ'ታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ፕራውድ ቦይስ ክንደይ ምዃኖም ኣይገለጸን።
እንተኾነ “ብክልሰ ሓሳብ ዘይተሰማምዑ ኣኽረርቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ” ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መጥቃዕቲ ክፍጽም ፈተነ ምግባሩ ሓቢሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ካናዳን ኣመሪካን ጥቡቕ ገደብ ምንቅስቓስ ምህላው ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ብዝነበረ ዕግርግር ብውሑድ ክልተ ካናዳውያን ተሳቲፎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ድማ ሓደ ሰብ ባንዴራ ካናዳ ከንበልብል ይርኣይ።
ካናዳ፡ ፕራውድ ቦይስ ኣሸባሪ’ዩ ኢላ ዝመዝገበት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና፡ ካልኦት ክልተ ጉጅለታት’ውን ኣብ መዝገብ ሽበራ ከም ዝሰፈሩ ተገሊጹ ኣሎ።
ብሓፈሻ፡ ልዕልነት ጸዓዱ ዝሰብኩን ኣረኣእያታት ናዚ ዘሰጉሙን ጉጅለታት ኣሸበርቲ ተባሂሎም ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







