ቶም ሞር፡ 33 ሚልዮን ፓውንድ ዘተኣኻኸቡ ወዲ 100 ዓመት እንግሊዛዊ ጅግና ብኮቪድ-19 ሞይቶም

ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሰለፉ ንሰብሞያ ጥዕና ብሪጣንያ ንምድጋፍ ልዕሊ 33 ሚልዮን ፓውንድ ኣዋጺኦም ዝለገሱ ወዲ 100 ዓመት እግሊዛዊ ካፕተይን ሰር ቶም ሞር፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቶም ናይ ካፕቴን ማዕርግ ዘለዎም ናይ ዕድመ ብዓል ጸጋ፡ መጀመርታ ናይ ምትንፋስ ጸገም ምስ ገጠሞም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ነይሮም።

ጓሎም ሃና ኢንግራም-ሞር፡ ኣቦኣ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰሙናት ምስ ሕማም ኒሞንያ ብዝተኣሳሰር ሕክምናዊ ድጋፍ እደናተገበረሎም ከምዝጸንሐን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግና ብኮቪድ-19 ምልካፎም ከምዝተረጋገጸን ተዛሪባ።

እቶም ገዲም ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበሩ ሰር ቶም ሞር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መበል 100 ዓመት ቅድሚ ምድፋኖም፡ መዓልቲ ልደቶም ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ፍደግ ገዝኦም፡ 100 ግዜ ብምምልላስ፡ ልአዕሊ 33 ሚልዮን ኣዋጺኦም ንኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና ብምልጋሶም ኣብ ልቢ ዜጋታት እታ ሀገር ዝኣተዉን፡ ጅግና ተባሂሎም ዓብዪ ክብሪ ዝተጓናጸፉን’ዮም።

ኣዋልድ ደቂ እቶም ገዲም ወተሃደር ዝኾና፡ ሃናን ሉሲን፡ ዜና ዕረፍቲ ወላዲአን ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ “ናይ ክቡር ኣቦና ዕረፍቲ ክንገልጽ ዓብዪ ሓዘን ይስምዓና” ክብላ ብዛዕባ ሞቱ ኣፍሊጠን።

“ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ሰዓታት ምስ ወላዲና ኣብ ጎኑ ስለዝጸናሕና ድማ ነመስግን” ኢለን።

ካብቶም ኣርባዕተ ደቆም፡ ሃና፣ ቤንጂን ጆርጅያን ብኣካል ኣብ ጎኖም ኮይኖም ዝተሰናበትዎም ኮይኖም፡ ሉሲ ድማ፡ ብቐጥታ ብ’ፌስታይም’ ተዘርቦም ከምዝነበረት እቲ መግለጺ የመልክት።

“ንሰዓታት ኣውጊዕና፡ ዕድመ ቁልዕነትና ኣልዒልና ኣዕሊልና ስሒቕናን በኺናን” ድማ ኢላ።

ደቆም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ምስ ወላዲኦም ብዙሕ ከምዘዕለሉን ዘይርሳዕ ተዘክሮታት ከምዝሕለፉን ድማ፡ ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም።

“ኣቦና ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰፊሩ እዩ። ዝገርምን ዝድነቕን ወላዲን ኣቦሓጎን እዩ ነይሩ። ንዘልኣለም ድማ፡ ኣብ ልብና ሰፊሩ ክነብር እዩ” ክብሉ ድማ ኣብቲ ናይ ሓዘን መግለጺኦም ተዛሪቦም።

ብፍላይ እተን ኣዋልድ ደቆም፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና [NHS]ን ሰራሕተኛታቱን ንወላዲአን ዓብዪ ሓልዮት ከምዝገበርሎም ንኢደን፡ ብሐፈሻ ነቶም ሰብ ሞያ ዓብዪ ክብሪ ከምዘለወን ብምግላጽ ድማ ምስግናአን ኣቕሪበን።

ኣብ ዞባ ዌስት ዮርክሼር ከይትሊ ኣብ እትባሃል ከተማ ዝውለዱ ካፕተይን ሰር ቶም ሞር፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናብ ውትህድርና ዝተጸምበሩ ኾይኖም፡ ኣብ ህንድን ኣብቲ እዋን በርማ እትብሃል ዝነበረት ሚያንማርን ከምዘገልገሉ ታሪኽ ህይወቶም ይሕብር።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርዎ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ተዛሪበናሎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ማዕርግ ተዋሂብዎም።

ሰራዊት ብሪጣንያ ድማ ኣብ መበል 100 ዓመተ ልደቶም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነብርሉ ቤቶም ናይ ነፈርቲ በረራ ብምግባር ርሑስ ልደት ኢልዎ ነይሩ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ነቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝገበሩ ኣረጋውያን ይኹን ካልኦት ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ዝያዳ ዘጥቅዕ ምዃኑ ይፍለጥ።