ጓል 110 ዓመት ዕድመ ዝኾና ኣደ፡ ኣብ መዓልቲ ልደተን ብዘስመዐኦ መዝሙር ኣብ ቲክቶክ ገኒነን

ኣሚ ሃውኪንስ ዝተባህላ ብሪጣንያዊት ኣደ፡ ኣብ መበል 110 ዓመት መዓልቲ ልደተን፡ ብዝዘመረኣ ፍልጥትን ህብብትን ደርፊ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ኣብ ቲክቶክ ኮኾብ ዓለም ኮይነን።

ወይዘሮ ኣሚ ሓውኪንስ ኣብ ዕለተ ልደተን ነታ "መገዲ ቲፔራሪ [ኣየርላንድ] ነዊሑና" (It's A Long Way to Tipperary)፡ እትብል ፍልጥቲ ደርፊ ቀዳማይ ኵናት ዓለም እናዘመራ ወዲ 14 ዓመት ወዲ ጓለን ብቪድዮ ቀዲሑ ኣብ ቲክ ቶክ ምስኣውጽአን እዩ ህቡብነተን ብሓንሳብ ሰማይ ዓሪጉ።

ኣብ ሓደ ሰዓት ከኣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰብ ርእዩወን።

ተወላዲት ማንማውዝ ዝኾና ወይዘሮ ኣሚ፡ ክንዲ ወዲ ጓለን ኣብ ዝነበራሉ ዕድመ ንእስነተን፡ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ እናዞራ ናይ ሳዕስዒት ምርኢት የቕርባ ነይረን።

እንተኾነ ኣብቲ እዋን ትደርፍ ጓለንስተይቲ ትኽበር ስለዘይነበረት፡ ወላዲተን 'ደርፊ ጽቡቕ ኣይኮነን' ስለዝበለአን እየን ምድራፍ ኣቋሪጸን።

እቲ ቪድዮ ኣብ መላእ ዓለም ምስተራእየን ብሰብ ምስተፈትወን፡ ኣደ ናይቲ ነቲ ምስሊ ዝቐረጸ ወዲ 14 ዓመት፡ "ብሰብ ምፍታው ጽቡቕ እዩ፤ ኣብ ደቂ ሰባት እምነት ከምዝህልወካ እዩ ዝገብር" ብምባል ተዛሪባ።

እዘን ኣደ ኣብ እዋን ምዝዛም ቀዳማይ ኵናት ዓለም፡ ጓል ሸውዓተ ዓመት እየን ነይረን። ካብ ሽዑ ጀሚረን ድማ ናይ'ቲ እዋን ደርፍታት ይደርፋ ነይረን።

"ከምዛ ሰዓት'ያ፡ ሓንሳብ እንተ ኣጀሚርካያ፡ ደው ኣይትብልን። 'ካልእ ክደርፈልኩም' ኢላ ትሓተካ" ትብል ጓል ጓላ ዝኾነት ሃና ፍሪማን።

ወይዘሮ ኣሚ ምስ ሰለስተ ወለዶታት ኣባላት ስድራቤተን እየን ዝነብራ።

ሃና፡ ኣብዚ ናይ ዕጽዋ እዋን ምስዘን ናይ ዕድመ ብዓልቲ ጸጋ ምንባሮም ዝፈጥረሎም ሓጎስ እንትትገልጽ፡ "ኣዚና ዕድለኛታት ኢና" ትብል።

"ዓባይና ማእከል ናይ ኩሉ'ያ፡ ኣብ ዙርያኣ ኢና ንእከብን ንነብርን" ድማ ትብል።

ንወዳ ሳቻ፡ ክትዋዘ 'እስከ ንዓባይካ ቪድዮ ቅድሓያ' ከምዝበለቶ ዘኪራ፡ እንተኾነ ዘይተጸበየቶ ግብረመልሲ ምርካቡ ክትኣምን ኣይክኣለትን።

"ንፍዕቲን፡ ገርህን'ያ፡ ዝጽግማ የለን" ብምባል ድማ ትገልጻ።

ወዳ ምስ ዓባያ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ዝገለጸት ሃና፡ "ኣዝዩ'ዩ ዝፈትዋ" ትብል።

እቲ ሕጺር ቪድዮታት ብምእንጋድ ዝፍለጥ መተግበሪ ቲክቶክ፡ ኣብ 2016 ዝተጀመረ ኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ይጥቀምሉ።