ኣብ ኩባ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብምሕምሻሻ 5 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኩባ፡ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብምሕምሻሻ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ምኽልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ኵርባ'ያ ተሓምሺሻ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ እታ ሄሊኮፕተር፡ ሄሊጉን ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ቦታ ተበጊሳ ጓንታናሞ ናብ ዝበሃል ዞባ እናተጓዓዘት እንከላ ከምዝወደቐት ኣፍሊጡ።

መንነት እቶም ኣብታ ዝተሓምሸሸት ዝነበሩን ህይወቶም ዝሰኣኑን ሰባት ዛጊት ኣይተፈለልጠን ዘሎ።

ሰብመዚ እታ ሀገር ድማ መንነት እቶም ሰባት ንምፍላጥ ምጽራይ ከምዝጀመሩ ተገሊጹ።

ኣብ ኵባ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፍአ ናይ ነፋሪት ምውዳቕ ዘጋጠመ ኣብ 2018 ወርሒ መጋቢት ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እታ ነፋሪት ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኵባ ብግስ ምስበለት ብምሕምሻሻ 112 ሰባት ሞይቶም፣ ሓደ ሰብ ጥራይ ብህይወት ተሪፉ ነይሩ።