እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲንጋፖር፡ ዝነወሐ ሰዓታት ዝወስድ በረራ ጽባሕ ክካየድ'ዩ
መንገዲ ኣየር ሲንጋፑር ካብ ሲንጋፖር ንኒውዮርክ 15,000 ኪሎሜተር ብዘይዕረፍቲ ንምሽፋን ጽባሕ በረራ ከካይድ እዩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ብምኽንያት ክብሪ ዋጋ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት በረራ ኣቋሪጽ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ፡ ከም ብሓድሽ ስርሑ ዝጅምር ዘሎ።
መንገዲ ኣየር ሲንጋፑር፡ ከየዕረፈ ን 15,000 ኪሎ ሜተር ኣብ ውሽጢ 19 ሰዓታት ንምሽፋን በረራ ከካይድ።
መንገዲ ኣየር ኳንታስ 17 ሰዓታት ብዘይምቑራጽ ካብ ፐርዝ ኣውስትራልያ ናብ ሎንዶን ምብራሩን፡ መንገዲ ኣየር ቐጠር'ውን 17.5 ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኦክላንድ ናብ ዶሃ ብዘይምቁራጽ በረራ ምክያዱን ይፍለጥ።
መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር፡ ካብ ብዙሓት ዓማዊሉ ጠለባት ይቐርበሉ ምህላዉ ብምሕባር፡ ዓማዊል ካብ ኣብ ሞንጎ እናኣዕረፍካ፡ ቀጥታዊ በርራ ከም ዝመርጹ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ናይዚ ፈላሚ ካብ ሲንጋፖር ናብ ኒውዮርክ ዝግበር በረራ ትኬት ብምልኡ ፡161 ትኬታት፡ ከም ዝተሸጠ መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ንቢቢሲ ሓቢሩ።