እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ኩባውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰጒጓ
ኣሜሪካ፡ ''ንውሕስነት ኣሜሪካ ኣብ ዝጎድእ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ'' ዝበለቶም ክልተ ኩባውያን ዲፕሎማሰኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጠረዘት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ኩሎም እቶም ናይ ኩባ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ማንሃታን ቤት-ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓጺሮም ከም ዝስርሑ'ውን ሞርጋን ኦርታጋስ ወሲኹ ኣረዱኡ።
ብዛዕባ ምጥራዝ እዞም ዲፕሎማሰኛታት ግና፡ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዝርዝር ክሲ ኣየቕረበትን ዘላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኩባ፡ ቡሩኖ ረድሪገስ ነቲ ውሳኔ ''ፍጹም ዘይፍትሓዊ'' ክብል ገሊጽዎ።
ብተወሳኺ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ምጥራዝ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ወጥሪ ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ከካይዱ እዮም።
ኣብ ቀረባ ግዜ'ውን ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ዴሳዊት ሃገር ኩባን ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ኩባ፡ ነቲ ብኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ዝቐረበ፡ ኣብ ኩባ ዝሰርሑ፡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጋቶ እያ።
ኣሜሪካ፡ ብኩባውያን ዝተኻየደ ዝበለቶ ረቂቕ ናይ ድምጺ ጨረርታ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኩባ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካን ኣባላት ስድራቤቶምን፡ ምንጽርራው ርእስን ናይ ምስማዕ ጸገምን ከም ዘጋጠሞም ክትከስስ ጸኒሓ።
እንተኾነ ግና፤ እቲ ብኣመሪካውያን ዝተዋህበ ውጽኢት ንጹር ከም ዘይኰነ ክኢላታት ስነ-ፍልጠት ኩባ፡ ብጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ፕረዚድንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ልዕሊ ኩባ ብዙሕ ጸቕጥታት ክገብር ከም ዝጸሐ ይፍለጥ።