ኬንያ ንምልሻታት ሶማልያ ተዕጥቕ እያ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

ኬንያ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ዕጡቓት ምልሻታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምትእትታው ኣይገበርኩን ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሶማልያን ምልሻታትን ኲናት ኣብ ዶብ ሶማልያን ኬንያን እዩ ተወሊዑ ዘሎ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኬንያ ሳይራስ ኦጉና፡ ኬንያ ነቶም ንመንግስቲ ሶማልያ ዝዋግእዎ ዘለዉ ምልሻታት ተዕጥቕ እያ ንዝብል ክሲ፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነጺግዎ።

ብሰኑይ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ማንዴራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሶማልያንን ምልሻታት ደቂ ዓድን ግጭት ተወሊዑ ነይሩ።

ኣብቲ ግጭት ብውሑዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ኬንያ ነቶም ምልሻታት ከምዘዕጥቖምን ከም እተዕቁቦምን መንግስቲ ሶማልያ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ገይራ ንኬንያ ከሲሳ ነይራ።

ኬንያ ግን፡ ምስቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ንሰላም ናይ ሶማልያ ኣበርቲዓ ከም እትሰርሕን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ጣልቃ ከም ዘይትኣቱን ኣቶ ኦጉና ተዛሪቡ።

እዚ ግጭትን ክስታትን ነቲ ኣብ ዞባ ጁባላንድ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እናበኣሰ ክኸይድ ይገብሮ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሶማልያን ኬንያን ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቁርቁስ ክኣትዋ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ መንግስቲ ሶማልያ፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ክስሕብ እንከሎ፣ ንኣምባሳደር ኬንያ ድማ ናብ ሃገሩ ከምሰናበትዎ ይፍለጥ።

ፈደርላዊ መንግስቲ ሶማልያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ጣልቃ ኣቲዩ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ።

ኬንያ፣ ኣብ ዝመጽእ ዞባዊ ምርጫ ጁባላንድ ኢዳ ስለዝሓወሰት፣ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ተዛሪቡ ነይሩ።