እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ሱዳን ዶብና ጥሒሳ ክትኣቱ ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን" ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ
ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ክትኣቱ ይኹን መሬት ክትሕዝ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።
መንግስቲ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ኢሉ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ መዓልታት ኣብ ዶብ ሱዳን ክኽሰቱ ዝኽእሉ ስግኣታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ምንባሩ ኸኣ ጠቂሱ።
"ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንጸጥታ ዝዘርግ ምንቅስቃስ ከይህሉ ካብ ሓለፍትና ናብ መንግስቲ ሱዳን ሓደራ ተባሂሉ ነይሩ እዩ" ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "ዶብና ሰጊርኩም ሃገርና ሓልውልና፡ ሒዝክሞ ጽንሑ ዝብል ግን ኣይኮነን" ኢሉ።
ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ሱዳን ሰራዊታ ናብ ዶብ ዘጸጋዓትሉ ምኽንያት "ብናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሕቶን ፍቃድን እዩ" ኢሉ ዝብል ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወጺኡ ነይሩ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነዚ ኣባሃህላ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ "ሕልሚ እዩ" ድሕሪ ምባል "እዞም ኣጥፋእቲ ጉጅለታት ዶብኩም ተጠቒሞም ናባና ከይኣትዉ ምባልን ንዑ መጺእኩም ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተጠረረን ከምዚ ዘለዎ ይጽናሕ ተባሂሉ ንሚእቲ ዓመታት ዝጸንሐን ዶብ ናትና እዩ በሉ ማለት ድዩ፡ ኣይኮነን" ክብል ገሊጹ።
ነዚ ማእከል ዝገበረ ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣሎ ዝብል ኣበሃህላ ሓሶት ምዃኑ'ውን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ "ሱዳን ካብቲ ኣብ ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ምስ ተላዓለ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ብዘይ ኣገባብ ዝሓዘቶ ቦታታት ትውጻእ'ሞ ዝርርብ ይጀመር" ከምዝብል እቲ ኣምባሳደር ኣብሪሁ።
ሚኒስተር ዜና ሱዳን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሰራዊት ሃገሩ መሬትና እዩ ኢሉ ካብ ዝኣምነሉ ነቲ ዝበዝሐ ክፋል ከምዝተቆጻጸሮን እዚ ኸኣ ነግ ፈረግ ዘየብል ስጉምቲ ምዃኑን ምግላጹ ይዝከር።
ንኽልቲአን ሃገራት ንምሽምጋልን ንምትዕራቅን ብዙሓት ጻዕሪ የካይዳ ምህላውን ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "ነተን ሃገራት ነመስግነን፡ ይኹን እምበር ንሕና እምቢ ኣይበልናን፡ ንዘራረብ ኢና ንብል ዘለና፡ እቲ ዘቐመጥናዮ ቅድመ ኩነት ግን ቅድም ናብቲ ዝነበርክሞ ተመለሱ ዝብል እዩ" ኢሉ።
በቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ዝተሻቐለት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት ጉዳየን ብሰላምን ልዝብን ክፈትሓ ጸዊዓ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንሱዳንን ንኢትዮጵያን ዘተኣሳስረን ብዙሕ ነገር ከምዘሎ ብምግላጽ "ጥቅምታት ናይ ክልቲአን ሃገራት ይተኣሳሰር'ዩ ክንብል እንከለና፡ እቲ ግጭት ንኽልቲአን ሃገራት እዩ ክሃስየን፡ እንተኾነ ንኽልቲአን ሃገራት ኣባሊዖም ኣብ ሞንጎ ዝርብሑ ሳልሳይ ወገን ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና" ክብል ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነቲ ሳልሳይ ወገን ዝበሎ እኳ እንተዘይጠቀሶ፡ "ካብዚ ዕግርግር ክልቲኤን ሃገራት ዝጥቀሙ ኣለዉ" ብምባል እቲ ግጭት ናይ ሱዳን ድሌት ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ ነቶም 'ኣጥፋእቲ ሓይልታት' ዝበሎም ሓይልታት ብዶብ ሱዳን ከይኣትዉ ብምባል ምስታ ሃገር [ሱዳን] ዝለዎም ምቅርራብ ኣብ ግምት ብምእታው እምነት ኣንቢሮም ምንባሮም ጠቂሱ።
"መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን እምነት እምበር ብድሕሪት ክወግኡና እዮም ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን፡ እቲ ዘጋጠመ ግን ኣንጻር እቲ ዝሓሰብናዩ እዩ" ኢሉ።
ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራን ሶማልያን
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግጭት ተሳቲፉ'ዩ ዝብል "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ኢሉ።
ካብ ናይ ኤርትራ ብተወሳኺ ሰራዊት ሶማልያ ኣብቲ ኵናት ተሳቲፉ'ዩ ዝብል ዘረባ'ውን 'ሓሶት'ዩ' ኢሉ።
"ኣብ ውሽጥና ንገብሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ናይ ዝኾነት ሃገር ሓገዝ ኣይንደልየሉን" ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ክልል ትግራይ፡ ሓዲሽ ከንቲባ ከተማ መቐለ ይኹን ሕብረት ኣውሮጳ ግን ኣብቲ ኵናት ሰራዊት ኤርትራ ከምዝተሳተፉ ተዛሪቦም እዮም።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግን "እዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙን ምትእትታው ንምዕዳምን ተዓጢቆም ዝበልዎ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ናብ ኣስመራ ዝተተኮሰ ሮኬት'ውን ነዚ ዕላማ እዚ ንምትግባር ተባሂሉን፡ ኤርትራ ሰራዊታ ሒዛ ናብቲ ኵናት ንኽትኣቱን ተተሊሙ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።
እዚ ምስ ኮነ ሰራዊት ኤርትራ ዶባቱ ንምሕላው ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ክረአ ንቡር ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣመልኪቱ።
"ነዚ ከም ምኽንያት ወሲድካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ኮይኑ ይዋጋእ ኣሎ ምባል ጌጋ እዩ፡ ናይ ኤርትራ ይኹን ናይ ሶማልያ ሰራዊት ኣይነበረን፡ ሰራዊትና ብቅዓት ኣለዎ ባዕሉ እዩ ወዲእዎ" ኢሉ።
ነቲ ኵናት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ ብዙሓት ይሰርሑ ምንባሮም ዝገለጸ ኣምባሳዶር ዶና ሙፍቲ ወተሃደራዊ ብረታት ካብ ምሻጥ ጀሚሩ ነቲ ግጭት ከም ምኽንያት ተጠቂምካ ሓገዛት ኣብ ምትእኽካብ ንጥፈታት ይካየድ ምንባሩ ሓቢሩ።
ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ
እቲ ካልእ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተለዓለ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ እዩ።
"ድሕሪ ኢትዮጵያ ካብዚ ግድብ እትኸስብ ሱዳን እያ" ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ፡ እቲ ግድብ እምነ-መሰረት ክንበሮ እንከሎ ካብ ሰለስቲኤን ሃገራት [ኢትዮጵያ፤ሱዳንን ግብጽን] ዝተዋጽእ ነጻ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ጉጅለ ሰብ ሞያ፡ እቲ ግድብ ከኸትሎ ዝክእል ኣሉታዊ ነገር እንተሃልዩ መጽናዕቲ ኣካይዶም ዝኾነ ዘኸትሎ ነገር ከምዘየለ ኣብ መደምደምታ ምብጽሖም ኣዘኻኺሩ።
"እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከጋጥም ዝኽእል ዕልቅልቅን ሓደጋን ዝገትን እታ ሃገር ሕሱር ቀረብ ኤለትሪክ ንኽትረከብ ዘኽእላን እዩ" ዝበለ እቲ ኣምበሳዶር ካብዚ ብተወሳኺ ሕርሻዊ እቶታ ዘበርክትን ድበት ንኽትጸርግ ተውጽኦ ዝነበረት ወጻኢታት ዝዕቅብን ምዃኑ ገሊጹ።
"እቲ ዘልዕልዎ ዘለዉ[ሱዳን] ናቶም ኣይኮነን፡ ንኻልእ ኣካል ወኪሎም'ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ" ኸኣ ኢሉ።
ብወገን መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እቲ ስሉሳዊ ዘተን ምምላእ እቲ ግድብን ተታሓሒዙ ከምዝቅጽል ተዛሪቡ።