ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣህጒር ኣፍሪቃ ዝወሃብ 400 ሚልዮን ተወሳኺ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺቡ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣህጒር ኣፍሪቃ ዝወሃብ 400 ሚልዮን ተወሳኺ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንኣህጒር ኣፍሪቃ ዝኸውን ተወሳኺ 400 ሚልዮን ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘውሓሰ ኣፍሊጡ።

ኣፍሪቃ፡ 60% ሚእታዊት ህዝባ ንኽትከትብ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ብልቃጥ ኮሮናቫይረስ የድልያ። ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ክታበት ምሃብ ኣይጀመራን።

ኣብ ኣፍሪቃ ክታበት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክጅመር ትጽቢት ይግበር። ክሳብ ሽዑ’ውን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኸውን ቐረብ ድልው ኣይክኸውን’ዩ።

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣስታት 400 ሚልዮን ክታበት ኮሮናቫይረስ ብኩባንያ ኦክስፎርድ ኣስትራ ዘኒካ ዝፈረየ መድሃኒት’ዩ።

ብዛዕባ ዋግኡ ግን ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ምስ ኣፍረይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብቐጥታ ይሰማመዓ ከምዘለዋን ገሊኣን ድማ ድሮ ካብ ገለ ሃገራት ሓገዝ ተገሩለን ምህላው ተፈሊጡ።

ኣየኖት ሃገራት እየን ናተን ስምምዕ ዝገብራ ዘለዋ?

እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሃስያ ዘላ ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ሓደ ሚልዮን ቢልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ክትቕበል እያ።

መጀመርያ ድማ ንሰብ ሞያ ሕክምና ክትከትብ እያ።

ሞሮኮ፡ ካብ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ክልተ ሚልዮን ካብ ቻይናዊት ኩባንያ ሲኖፍርም ድማ 500,000 ክታበት ዓዲጋ ኣላ።

ስሽልሽ፡ ን94,000 ሽሕ ህዝባ ካብ ሲኖፎርም ካብ ዝረኸበቶ ሓገዝ ክትከትብ ጀሚራ’ላ።

መንግስቲ ህንዲ’ውን ኣስታት 100,000 ቢልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ሓገዝ ከምዝህባ ኣፍሊጡ’ሎ። ማውሪሽ’ውን ኣብዚ ሰሙን ካብ መንግስቲ ህንዲ ዝተለግሰላ መድሃኒት ክትከትብ ጀሚራ’ላ።

ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግብጺ’ውን ካብ ዝተፈለለያ ሃገራት ብዝረኸበቶ 100 ሚልዮን ቢልቃጥ ንሰብ ሞያ ሕክምና ክትከትብ ጀሚራ ከምዘላ ሓቢራ።

ኮሮና