ኣብ ኤርትራ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከምዝተራእየ ተገሊጹ

ሸዊት ምሸላ ዝበልዕ ኣንበጣ - ሞሪታንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ ተራእዩ ምንባሩ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ቢሕታ ዝተባህለ ከባቢ ዝተራእየ ዕስለ ብምትሕብባር “ኪኢላታት፡ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምምሕዳርን ነበርትን ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ” ክብል መንግስታዊ መደበር ተለቪዥን ኤርትራ ኣቃሊሑ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገረ ዝተገልጸ ዕስለ ኣብ 20 ሄክታር ተዘርጊሑ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ’ውን “ውሑድ መጠን” ዘለዎ ዕስለ ከምዝተራእየን ንምቁጽጻሩ ይስራሕ ከምዘሎን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ከቢድ ጉድኣት ዘውረደን ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ክደግስ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሓድሽ ማዕበል ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዘራእትን መጋሃጫን ከቢድ ብርሰት ብምስዓቡ ድማ፡ ንመነባብሮ ናይቶም ብቐጻሊ ዕልቕልቕን ኮሮናቫይረስን ዝተሃስዩ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ።

እዚ ናይ ሕጂ ማዕበል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ን3ይ ግዜ ዝኽሰት ዘሎ’ዩ።

“ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሕርሻን ጉስነትን ዝምስረት መነባብሮ ናይቲ ብቐደሙ’ውን ናይ መግቢ ውሕስነት ዘይብሉ ከባቢታት ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ” ይብል ኣወሃሃዲ ህጹጽ እዋን ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ፡ ኢዛና ካሳ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዘድሊ ገንዘባዊ ደገፍ እንተ ዘይረኺቡ፡ ኩለን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምንጻግ ጸረ-ኣንበጣ ተዋፊረን ዘለዋ ነፈርቱ ደው ክብላ ከምዝኽእላ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ነቲ ወራር ንምክልኻልን ምቁጽጻርን፡ ብውሕዱ 38 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ።

ኣብቲ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ወፍሪ፡ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እኽልን ጥሪትን ከምዘድሓነ’ውን ገሊጹ።

“ኣብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት መጠን ዘለዎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተራእየሉ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል’ዩ ነይሩ። ንምቁጽጻሩ ድማ፡ 2 ዓመትን ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላርን ሓቲቱ።”

“እዚ ካብኡ ዝዓበየ’ኳ እንተኾነ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሮ ይኽእል’ዩ - መንግስታት ነተን ነፈርቲ ስረሐን ክቕጽላ እንተ ገይሮም ማለት’ዩ” ይብል ምክትል ዳይረክተር ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሎረንት ቶማስ።