ካብቶም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተደብዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ዓደንቲ 9 ሞይቶም ተረኺቦም

ኣብ ቻይና ኣብ ናይ ዕደና ጉድጓድ ብዘጋጠመ ሓደጋ ንኣስታት ክልተ ሰሙን መውጽኢ ስኢኖም ካብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት እቶም 9 ሞይቶም ተረኺቦም፡፡

ካብቶም ኣብ ግዝኣት ሻንዶግ ካብ ትሕቲ ምድሪ መውጽኢ ስኢኖም ዝቐነዩ ሰባት እቶም 11 ትማሊ ብሰራሕተኛታ ምድሓን ብህይወት ክወጹ ክኢሎም ኣለዉ፡፡

እቶም ሰራሕተኛታት ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 10 ለካቲት መእተዊ እቲ ዝሰርሕሉ መዐደኒ ጉድጓድ ሁሻን ብምፍራሱ’ዮም ተዓጊቶም ጸኒሖም፡፡

ትማሊ ሰንበት እቶም 11 ዓደንቲ ብህይወት ምስተረኸቡ ህዝቢ ሓጎሱ ክገልጽ ተሰሚዑ ነይሩ፡፡

ከንቲባ ከተማ ያንታይ፡ ቸን ፈይ ‘‘ካብ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ክሳብ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣለሻ ደው ኣየበሉን፡፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ትሸዓተ ሰባት ረኺቦም፡ ብዘሕዝን ኩነታት ግን ኩሎም ሞይቶም እዮም ጸኒሖም’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ሬሳ ናይቲ ብሓሙስ ዝሞተ ሓደ ዓዳኒ ምስቶም ትሸዓተ ካብቲ ጉድጓድ ከምዝወጸ እቲ ከንቲባ ተዛሪቡ፡፡

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ከመይ ክረኽብዎም ክኢሎም?

ነቶም ኣብቲ ጉድጓድ መውጽኢ ዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት ንምብጻሕ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ተገሊጹት’ኳ እንተነበረ፡ ሰንበት ንጉሆ ግን ዘይተሓሰበ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ፡፡

‘‘ነቲ መንደቕ ጋሪድዎ ዝነበረ ሓደ ገዚፍ መሰናኽል ናብ እግሪ እቲ ወርወር(ሻፍት) ወዲቑ’’ ይብል ሰራሕተኛ ምድሓን ህይወት ዱ ቢንግጂያን፡፡

እቲ ትማሊ ካብ ጉድጓድ ዝወጸ ፈላማይ ሰብ ካብቶም 10 ኣብ ዝተፈለየ ቦታ ተዓጽዮም ዝነበሩ’ዩ ነይሩ፡፡

እቶም ዝረኸብዎ ሰራሕኛታት ዓይኑ ብርሃን ከይጎድኦ ሸፊኖምዎ ሓጎሶም እትገልጹ ኣብ ቴሌቪዥን ተራእዮም እዮም፡፡

ኣዐርዩ ደኺሙ ስለዝነበረ ድማ ሽዑንሽዑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡፡

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ድማ ኣብ ካሊእ ክፋል እቲ መዐደኒ ዝነበሩ 10 ሰራሕተኛታት ተረኺቦም፤ ሓደ ካብኦም ጉድኣት በጺሕዎ ከምዝበረ ሲሲቲቪ ገሊጹ፡፡

ካልኦቶም ግና ብሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ተደጊፎም ባዕሎም ክኸዱ ተራእዮም፡፡

እቲ ዕጽዋ ከመይ ኣሕሊፎምዎ?

እቲ ንመእተዊ በሪ ናይቲ መዐደኒ ጉድጓድ ዘፍረሰ ነታጒ ሃንደበት እንተጓንፍ፡ እቶም ሰራሕተኛታ ዕደና ኣብ 600 ሜትር ትሕቲ ጸፍሒ ምድሪ ይሰርሑ ነይሮም፡፡

እቲ ሓደጋ ነቲ መውጽኢ በሪ ስለዝደፈኖን ርክብ ስለዝተቛረጸን ንኣስታት ሓደ ሰሙን ብህይወት ምህላዎም ዘርእይ ምልክት ኣይነበረን፡፡

ኣብ 17 ጥሪ ግና ናይ ወርወር (ሻፍት) ገመድ ካብ ውሽጢ ይሰሓብ ምንባሩ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኣስተባሂሎም፡፡

ድሕሪኡ ካብቶም 11 ብሓደ ዝነበሩን ሓደ ንበይኑ ዝነበረን ሰራሕተኛታት ብገመድ ደብዳበ ተላኢኹ፡፡

ብድሕሪኡ ኸኣ ምስቲ መበል 12 ዝነበረ ርክብ ክቋረጽ ከሎ፡ ካብቶም 11 ጉድኣት ዝበጸሖ ካልእ ድማ ብሓሙስ ከምዝሞተ ተረገጊጹ፡፡

ብጸቢብ ዘንጊ(ሻፍት) ኣቢሉ ርክብን ክግበርን፡ መግብን መድሓኒትን ናብቲ ጉድጓድ ምስዳድን ተኻኢሉ ነይሩ፡፡

ኣብ ቻይና ኣብ መዐደኒ ጎዳጉዲ ዝበጽሕ ሓደጋታት ዘይልሙድ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ’ኳ

ኣብ ሕመት (ከሰል) ዝዕደነሉ ጉድጓድ ‘ካርቦን ሞኖ ኦክሳይድ’ ዝተባህለ ሓደገኛ ጋዝ ብምስላኹ 23 ሰባት ሞይቶም እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 16 ሰባት፡ ኣብ ታሕሳስ 2019 ድማ 14 ሰባት ኣብ መዐደኒ ከሰል ሞይቶም እዮም፡፡