ኮሮናቫይረስ፡ እስራኤል ሃገራዊ ፈተና ንዝወስዱ ተማሃሮ ትኸትብ ኣላ

እስራኤል ዕድሚኦም ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት ንዝኾኑ መናእሰይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ትኸትብ ኣላ። ነዚ ትገበር ዘላ ድማ ሃገራዊ ፈተና ['ማትሪክ'] ክወስዱ ብምዃኖም'ዩ ተባሂሉ።

እታ ሃገር ካብ ዘለዋ 9 ሚልዮን ህዝቢ ርብዒ ዝኸውን ቀዳማይ ዙር ክታበት ከምዝወሰደ ይግለጽ። እቲ ክታበት ድማ ብፋይዘር ከምዝፈረየ ተፈሊጡ።

ኣብ እስራኤል ካብ 19 ታሕሳስ'ዩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክወሃብ ዝጀመረ።

እቲ ክታበት ብቐዳምነት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ብምሃብ ዝተጀመረ ኮይኑ ብድሕሪኦም ከኣ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ተኸቲቦም። ኣብዚ እዋን ድማ ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ይኽተቡ ኣለዉ።

ሚንስተር ትምህርቲ እስራኤል ከምዝበሎ፤ እቲ ክታበት ንተምሃሮ ክወሃብ ዝተደለየሉ ምኽንያት ናብ ትምህርቲ ንኽመጽኡን ፈተና ንኽፍተኑን'ዩ።

ፍቓድ ወለዲ ብምሕታት እውን እቶም መናእሰይ ክኽተቡ ይግበር ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ እቲ ትምህርቶም ምስወድኡ ዝወስድዎ ፈተና ብመሰረት ዘምጽእዎ ውጽኢት ናብ ዩኒቨርሲቲ ከምዘእትዎም ይግለጽ።

እቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝህልዎም ተሳትፎ'ውን ከምዝውስን ይፍለጥ። ዜጋታት እታ ሃገር ንዝተወሰነ ጊዜ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ግድን'ዩ።

ኣብዚ እዋን ነቶም ተማሃሮ ዝወሃብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ትምህርቲ መዓዝ ከምዝጅመር ግን ሚንስትሪ ትምህርቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

እስራኤል ነቲ ክታበት ብምሃብ ኣብ ዓለም ኣብ ዓለም ዝቐልጠፈት ሃገር'ያ። በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ክህልውዋ ከለዉ 4 ሽሕ ድማ ሞይቶምዋ።

መንግስቲ እስራኤል ብመሰረት ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ አብ ወርሒ ጥሪ ዝግበሩ በረራታት ኣጊዱ'ሎ።

እዚ እገዳ በረራ ከኣ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናብታ ሃገር ከይኣትው ንምክልኻል ዝተነበረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ወጽእተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን ዘሎ።

እስራኤል ኣብ ዝሓጸረ እዋን 9 ሚልዮን ህዝባ ጸረ-ኮቪድ ክታበት ክኽተብ ብምግባር ኣብ ዓለም ፈላሚት ሃገር ንምዃን ኣብ ምስራሕ ትርከብ።