እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሞባይል ስክሪን እነሕልፎ ግዜን ጥዕና ዓይንናን
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ምንቅስቓስ ሰባት ስለ ዝተገደበ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ስክሪን ሞባይልን ኮምፒዩተርን ዘሕልፎ ግዜ እናወሰኸ መጺኡ'ዩ።
በዚ ድማ ድሕነት ዓይኖም ንምሕላው መምርሒ "20-20-20" ክለማመዱ ገባሪ ሰናይ ጥዕና ዓይኒ ይምዕድ።
'ፋይት ፎር ሳይት' ዝኾነ ነገር እናገበርኩም ን20 ደቓይቕ ኣብ ስክሪን ምስ ጸናሕኩም ኣብ 20 ጫማ ርሕቀት (ሽዱሽተ ሜትር)ንዘሎ ነገር ን20 ደቓይቕ ክትርእዩ ይግባእ ይብል።
ካብ ሞንጎ ክልተ ሽሕ ሰባት እቶም ፍርቂ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝለዓለ ግዜ ኣብ ስክሪን ዘጥፍኡ ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 38 ሚኢታዊት ናይ ዓይኒ ጸገም ከም ዘስዓበሎም ሓቢሩ ኣሎ።
ሓካይም ዓይኒ ድማ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ኣገልግሎት ክህቡ ከም ዝጸንሑ እቲ ገባሪ ሰናይ ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ ክልተ ሽሕ ኣባጽሕ ዝተሳተፉሉ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ እዋን እዚ ለበዳ 20 ሚኢታዊት ሰባት በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ወይ'ውን እቲ ቫይረስ ከየመሓላልፉ ብምስጋእ መርመራ ዓይኒ ከም ዘይገበሩ ይግለጽ።
ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ ከም ዝበሉዎ ናይ ምንባብ ጸገም ከምኡ'ውን ሕማም ርእሲ፣ ኣብ ዝተወሰነ ክፍሊ ሓንጎል ዘጋጥም ከቢድ ሕማም ርእሲ [ማይግሬን]፣ ኣብ ጸልማት ድኹም ናይ ምርኣይ ጸገም ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።
ፈጻሚ ስራሕ ፋይት ፎር ሳይት ሽሪን ክራውስ: "ጸገም ዓይኒ ካብ ሞንጎ ዘስዕቡ ጉዳያት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣቐዲምካ ብምንጻርን ናይ ምክልኻል መገዲታት ብምትግባርን ክውገዱ ዝኽእሉ'ዮም። ስሩዕ መርመራ ዓይኒ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ዘየርእዩ ናይ ምርኣይ ጸገማት ንምፍላጥ እዩ ዝሕግዝ" ኢሉ።
ኣማኻሪ ሕክምና ዓይኒ ፓራምዴፕ ቢልኩ ብወገኑ፡ ብዙሓት ሰባት 'ኣብ ስክሪን ብዙሕ ግዜ ምሕላፎም ንዘለዎም ናይ ምርኣይ ጸገም ከም ዘጋድዶ' ከም ዝኣምኑ እቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ኣርእዩና'ዩ ኢሉ።
"እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ኣብ ምርኣይ ዘላቒ ጉድኣት ዘየስዕቡ ምዃኖም'ዩ። እንተኾነ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ይዳኸም እንተሎ፣ ወይ'ውን ዓይንኹም እንተቐይሑ፣ ሕማም እንተተሰሚዑኩም ሓኪም ክተማኽሩ ይግባእ" ብምባል የገንዝብ።