እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኣየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ 'ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል' ተገሊጹ
ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብቲ ቀዳማይ ብዝበለጸ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝበሎ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኾነ ገለ መጽናዕቲታት ኣእንፊቶም ኣለዉ።
ቅድም ክብል ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ምስቶም ኣብዚ እዋን በቲ ሓድሽ ዓሌት ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ብምንጽጻር'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብሪጣንያ ብስፍሓት ይዝረጋሕ ከምዘሎ ይግለጽ።
"እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ክላባዕ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ብዝለዓለ መጠን ቀታሊ እዩ" ኢሉ ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት ምርምር ሕክምና፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ክንደይ ቀታሊ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ኣብ መጽናዕቲ ይርከቡ።
ቀዳማይ ደረጃ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከኣ እቲ ሓድሽ ዓሌት ካብቲ ዝነበረ ብዝያዳ ሓደገኛ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ'ሎ።
ኣማኻሪ ጉዳያት ጥዕና መንግስቲ ብሪጣንያ ሰር ፓትሪክ ቫላንስ እቲ መረዳእታ "መሊኡ ከምዘይተረጋገጸ" ርእይቶ ሂቡ።
ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ እኹል መረዳእታ ንምርካብ ተወሳኺ ምርምር ምግባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ።
እቲ ዝጸንሐ ቫይረስ ካብ 30 ክሳብ 70 ሚኢታዊት ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ዝነበሮ ኮይኑ፡ እቲ ሓድሽ ከኣ ካብቲ ነባር 30 ሚኢታዊት ብዝያዳ ከምዝላባዕ ይግለጽ።
እዚ ማለት ከኣ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከቡ 1 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እንተሃልዮም እቶም ክሞቱ ዝኽእሉ 10 ጥራሕ እዮም። በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 13 ይበጽሕ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተረኣየ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ሰባት ክረኣይ ለበዳ ኮይኑ'ሎ።
ብፋይዘር ከምኡ'ውን ኦክስፎርድን ኣስትራዜኒካን ዝፈረዩ ክታበታት ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኣየ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ክከላኸሉ ከምዝኽእሉ ይእመን።
ነገር ግን ኣብ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ዓሌታት ዘሻቕሉ ምዃኖም ሰብ ሞያ ጥዕና ይሕብሩ።