ኮቪድ-19፡ ሃገራት ኣዉሮጳ ብምንካይ ፍርያት ክታበት ኮሮናቫይረስ ተሻቒለን

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መድሓኒት ዘፍሪ ኣስትራዜኔካ ናይ ፍርያት ጸገም ከምዘሎ ምግላጹ ቀረብ ክታበት ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ክኸውን’ዩ።

ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምረካብ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ገለ ክፈላት ኣውሮጳ ቀረብ ክታበት ፋይዘር-ባዮኤንቴክ ብምንካዩ ወፍሪ ክታበት ክቋረጽ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ምስ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኮይኑ ነቲ ክታበት ዘፍሪ ኣስራዜኔካ ኣብ መግለጺኡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት’ኳ እንተጠቐሰ ንጹር መብርሂ ግን ኣይሃበሉን።

ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ዘይረቑሖ በዓል መዚ ሕብረት ኣውሮጳ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣስትራዜኔካ ኣብ ናይ ፈለማ ርብዒ ዓመት ከቕርቦ ሓሲብዎ ካብ ዝነበረ መጠን ክታበት ብ60 ምኢታዊት ከምዝንኪ ንሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብተቐጻጻሪ መድሓኒት ሕብረት ኣውሮጳ ፍቓድ ዘይረኸበ ክታበት ኣስትራዜኔካ ኣብ መወዳእታ'ዚ ወርሒ ፍቓድ ክወሃቦ ትጽቢት ይግበር። እቲ ኣፍራዩ ክታበት እንተወሓደ 3 ሚኢቲ ሚልዮን ክታበት ንምቕራብ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ተሰማሚዑ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ንምርካብ ቃል ካብ ዝተኣተወሎም ክልተ ሚልዮን ክታበት ኣስትራዜኔካ፣ 6 ሚኢቲ ሽሕ ጥራይ ምርካባ መራኸብቲ ሓፋሽ ኦስትርያ ዘቃልሓ ኮይንን እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክስዕብ’ዩ ተባሂሉ።

እቲ ምድንጓይ “ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ” ክብል ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኦስትርያ ሩዶልፍ ኣንሾበር ገሊጹ።

ፋይዘር ዝተብሃለ ኩባንያ ኣመሪካ ብግድኡ ዓቕሚ ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ፋብሪክኡ ንምዕባይ ይሰርሕ ስለዘሎ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ዝልእኾ መጠን ክታበት ከምዝንኪ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ኩባንያ ፋይዘር 6 ሚኢቲ ሚልዮን ክታበት ንምዕዳግ ከምዝተሰማምዐ ይፍለጥ። ፋይዘር መጠን ፍርያቱ ስለዝነከየ ኣብ ሃገራት ጀርመንን ጣልያንን ዝርከባ ግዝኣታት ዝጀመርኦ ናይ ፈለማ ክታበት ደው ከብላ ተገዲደን ኣለዋ። ኣብ ማረሪድ ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝውሃብ ክታበት’ውን ደው ኢሉ’ሎ።

ጣልያንን ፖላንድን ብዛዕባ እቲ ምንካይድ ክታበት ኣመልኪተን ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ “ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” ክብላ ኣጠንቂቐን።

ሕብረት ኣውሮጳ ንናይ ኦክስፎርድ ኣስትራዜኔካ ክታበት ክሳብ ሕጂ ፍቓድ ብዘይምሃቡ ዘንጸርጸረ መንግስቲ ሃንጋሪ ድማ ዋላ’ኳ ኣብ ሩስያ ዝፈረየ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ንምዕዳግ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ይግለጽ።