እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መደረ ፋንዋ ዶናልድ ትራምፕ፡ "እቲ ክንገብሮ ኣለና ዝበልናዮ ገይርናዮ ኢና"
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘመነ ስልጣኑ ኣብቂዑ ካብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምውጽኡ ኣብ ዘስምዖ ናይ መፋነዊ መደረ "እቲ 'ክንገብሮ ኢልና' ዝተበገስናሉ ገይርናዩ ኢና፡ ወረ ልዕሊኡ'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ ዩ ትዩብ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቃሲ ምስሊ "ከቢድ ውግእ፡ ሓያል ቅልስ እዩ ነይሩ፤ ከምኡ ንኽገብር ኢኹም ከኣ መሪጽኩምኒ" ክብል ይስማዕ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ውጽኢት እቲ 3 ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዋላ ደኣ ብጆ ባይደን ይስዓር'ምበር ገና ስዕረቱ ኣይተቀበለን ዘሎ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን፡ ሎሚ 20 ጥሪ እዩ ቃለ መሓላ ክፍጽም።
ጆ ባይደን ኣብታ ድሮ ቃለ መሓላ ዝፍጽመላ መዓልቲ፡ ነቶም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ 400,000 ኣመሪካውያንነ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ኣካይድሎም።
ኣብቲ ኣብ ሳንዳውን ዋሽንግተን ፊት ሊንኮን ሚሞርያል ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት 400 መብራህቲ ተወሊዐን።
ናይ መወዳእታ ክልተ ሰሙን ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስቲ ብናዕባውያን ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካፒታል ሂል ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ውራን ተታሓሒዘን እየን ክዝከራ።
ዶናልድ ትራምፕ ካልእኸ እንታይ ኢሉ?
ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ ካፒታል ሂል ዝፈጸምዎ ውራ፡ 'ኣጓሃሂርካ' ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ስለዘሎ፡ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ብክሲ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ክቀርብ እዩ፡ በቲ ዝፈጸሞ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ኸኣ ካብ ህዝባውያን ቤት ጽሕፈታት ክእገድ ይኽእል እዩ።
ኣብ ታሪኻ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትነት እንከሎ ክልተ ግዜ ዝተኸሰሰ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ምስ ዩክረይን ዝገበሮ ስምምዕ ኮይኑ ብዝበዝሑ ካብ ኣባላት ሰልፉ ደገፍ ስለዘይረኸበ እቲ ክሲ ክመክን ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ 24 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ 400,000 ኸኣ ሞይቶም ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ዶናልድ ትራምፕ ዘርኣዮ ሶንኮፍ ኣተሓሕዛ ዝስዓበ'ዩ እዩ ኢሎም ዝነቅፍዎ ሰባት ኣለዉ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ፋንዋ ዘስምዖ መደረ ግን ምምሕዳሩ "ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝበለጸ ቁጠባ ክንሃንጽ ክኢልና ኢና" ኢሉ።
እንኾነ ቁጠባ ኣመሪካ ብርቱዕ ውጻእ -ውረድ እዩ ዘሕልፍ ዘሎ።
ኣስራሕቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣጉዲሎም እዮም። በዚ መንጽር ኸኣ ኣብታ ሃገር ሽቅለት ኣልቦነታ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።
"ኣጀንዳና የማንዶ ጸጋም ኣይነበረን፡ ሪፓብሊካንዶ ዲሞክራትስ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ እዚ ክንብል እንከላ ግን ንሃገር ዝሓሸ ኢልና ኢና፡ እወ ብዛዕበ ሃገር"።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ክፋኖ እንከሎ 34 ሚኢታዊት'ዩ ደገፍ ረኺቡ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታት ኣመሪካ እቲ ዝተሓተ ነጥቢ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ጆ ባይደንከ ከመይ ይዳሎ ኣሎ?
ጆ ባይደንን ብዓልቲ ቤቱ ጂል ባይደንን ነቲ ኣብ ዳልዋር ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ገዲፎም ብሰሉስ ናብ ዋሽንግተን ኣትዩም ኣለዉ።
ጆ ባይደን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ምክትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኮይኑ ቅድሚ ምስርሑ ኣብታ ከተማ ን36 ዓመታት ከም ሰኔተር ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።
ጆ ባይደን ብዛዕባ ከተማ ዳልዋር ዘለዎ ትዝታ ክዛረብ እንከሎ "ክመውት እንከለኹ ዳልዋር ኣብ ልበይ ክትጽሓፍ እያ" ኢሉ ነይሩ።
ምትእስሳር ጆ ባይደንን ከተማ ዳልዋርን ክሳብ ክንድዚ እዩ።
ጆ ባይደን ብኣቆጻጽራ ሰዓት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት 08:00 ምሸት ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።
ናይ ጆ ባይደን ስነስርዓት ቃለ መሓላ ዘይከምዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ እዩ ክካየድ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊ ካፒታል ሂል ዝተኻየደ ውራ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ተኸቲሉ ተመሳሳሊ ዕግርግር ንኸይልዓል ዋሽንግተን ብፍላይ ኸኣ ከባቢ ዋይት ሃውስ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ሓላዋ እዩ ዝርከብ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንታት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት'ዮም ዝሳተፉ ነይሮም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግን ውሑዳት ሰባት እዩም ክሳተፉ።
ካብቶም ኣብቲ ስነስርዓት ዘይሳተፉ ሓደ ዶናልድ ትራምፕ እዩ፡ ንሱ ሎሚ ንግሆ ናብ ፍሎሪዳ ገይሹ ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብ ቃለ መሓላ ተካኢኡ ክተርፍ፡ ድሕሪ 1869 ኣንድሪው ጆንሶን ዝፈጸሞ ብኩራት፡ እዚ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ናይ መጀመርታ እዩ።