እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትዊተር፡ 80 ሚልዮን ሰዓቢ ዘለዎ ትራምፕ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ መጠንቀቕታ ኣንቢርሉ
ትራምፕ ኣብ ትዊተር ምጥቃም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንፈላማ እዋን፡ እቲ ትካል ኣብቲ'ቲ ፕረዚደንት ዝጠቐዖ ጽሑፍ ናይ 'ሓቃዊነት መረጋገጺ' መጠንቀቕታ ምልክት ገይርሉ።
ትራምፕ ምስ መረጻ ግዝኣት ካሊፎርንያ ብዝተኣሳሰር "እቶም ሳጥናት ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ባኣብዝሓ ዝተጭበረብሩ ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ" ኣብ ዝበሎ ጽሑፍ እዩ ናይ ሓቅነት መረጋገጺ ምልክት ዘስፈረሉ።
ብሰንኮ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባት ናብ መረጻ ጣብያታት ከይዶም ድምጾም ክህቡ ስለዝሰግኡ፡ ብፖስታ ተላኢኹሎም ምርጨኦም መሊኦም እዮም ይልእኹ ዘለዉ።
ትዊተር ግን ኣብቲ ጥቃዕ ትራምፕ፡ ምልክት ጥራሕ ኣይኮነን ገይሩ።
ነቲ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ጥቅዑ 'ዋላ ሓንቲ! ባዶ' ዝበሎ ፡ ዘፍርስካብ ዋሺንግተን ፖስትን ካብ ሲኤንኤን መረዳእታ ኣምጺኡ ብምትሕሓዝ ድማ 'ዘይጥሉል ሓበሬታ ' ዝብል ለጢፍሉ።
በዚ ስጉምቲ ዝሐረቐ ትራምፕ፡ "ብሱሩ ማሕበራዊ ሚድያ ዝበሃል ኣትሪረ ክቆጻጸሮ ኣለኒ ፡እንተዘይኮይኑ ድማ ክዓጽዎ እየ" ኢሉ። እዚ ድማ ኣደዳ ነቐፌታ ገይርዎ ኣሎ።
ትራምፕ ቀጺሉ ድማ፡ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ እዞም ማሕበራዊ ሚድያታት ተጠቒሞም ንሰልፊ 'ኮንዘርቫቲቭሰ' ጸጥ ከምዘበልዎም ገሊጹ፡ እዚ ክኸውን ከምዘይፈቅድ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ።
ቅድም ክብል'ውን ትዊተር 'ናይ ምዝራብ ነጻነት ይዓብስ ኣሎ' ክብል ወቒሱ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ትዊተር ንትራምፕ ኣይድግፍን ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ወርሒ፡ ትራምፕ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ 'ዘይጥሉላት ሓበሬታ ዝቆጻጸረሉ' ሓድሽ ፖሊሲ ኣተኣታትዩ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ 80 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣለውዎ።
ዛጊድ ድማ 52 ጽሑፋት ጠቂዑ ይርከብ።
ትራምፕ፡ ብፍላይ ትዊተር ኣንጻሩ ንዝተሰለፉ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ካልኦትን ንምጥቃዕ ቁጽሪ ሓደ መሳርሒኡ ገይሩ ከምዝጠቀመሉ ተንተንቲ ይዛረቡ።
እዚ ሕዚ ካብ ትዊተር ዝበጽሖ መጠንቀቕታ ግን፡ ፈላማይ ፈተነ ከምዝኾና ድማ ወሲኾም ይዛረቡ።