ኣውስትራልያ ንሰላማዊ ውቅያኖስ ሰጊሩ ናብታ ሃገር ንዝኣተወ ርግቢ ክትቀትል እያ

ርግቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ርግቢ: ነቲ ርሕቐት ብናይ ጽዕነት መራኽብ ተጓዒዙዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት

ንሰላማዊ ውቅያኖስ ቆሪጹ ናብ ኣውስትራልያ ዝኣተወ ርግቢ ንጽኑዕ መምርሒታት ውሸባ እታ ሃገር ስለ ዝጠሓሰ ክቕተል እዩ።

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሪገን፡ ኣሜሪካ ካብ ዝካየድ ዝነበረ ውድድር ከም ዘምለጠ ዝተገለጸ ርግቢ፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ እዩ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራልያ ተራእዩ።

እቲ ጆ ተሰምዩ ዘሎ ርግቢ፡ ንኢንዱስትሪ መፍረ ደርሆን ብዝሓ ኣዕዋፍ ኣውስትራልያን "ቀጥታዊ ስግኣት" ዝፈጥር ምዃኑ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

እቲ ርግቢ ተታሒዙ ክቕተል ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።

ነባሪ ሜልበርን ኬቨን ሴሊበርድ ነቲ ርግቢ ብ 26 ታሕሳስ ኣብ ቀጽሪ ናይ ገዝኡ ከም ዝረኸቦ ተዛሪቡ።

ንሱ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ኣዝዩ ማህሚኑ እዩ ነይሩ፤ ብሽኮቲ ሰባቢረ ሂበዮ" ኢሉ።

ኬቨን ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ዝገበሮ ኣለሻ፡ እቲ ርግቢ ናይ ሓደ ነባሪ ኣላባማ ምዃኑን ካብ ውድድር ከም ዘምለጠን ተገንዚቡ።

ጆ ኣብ ኣውስትራልያ ከም ዝተርኣየ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣዘራራቢ ምስ ኮነ፡ ተመሓላላፊ ሕማማት ዘስግኦም ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ንኬቨን ረኺቦምዎ።

እቲ ርግቢ ዛጊት ኣይተትሓዘን ኣሎ፤ ክፍሊ ሕርሻ፡ ማይን ኣከባቢን ኣውስትራልያ ገና ናብ ካልኦት ኣዕዋፍ ሕማማት ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

"ካበይ መጺኡ ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ናብዚ ሃገር ዝኣቱ ዘቤታዊ ዑፍ ነቲ መምርሒታት እንተዘይኣማሊኡን መርመራታት እንተዘይተኻይድሉን ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሕ ኣይፍቀድን" ኢሉ ወሃቢ ቃል እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

"እቲ እንኮ ድሕነት ህይወታውያን እንከላኸለሉ መገዲ እቲ ዑፍ ርህራሀ ብዘለዎ መገዲ ከም ዝመውት ምግባር እዩ" ኢሉ።

እቲ ዑፍ ምዕራባዊ ገማግም ኣሜሪካ ናብ ደበባዊ ኣውስትራልያ ዘሎ 8,000 ማይል ብኸመይ ክጉዓዞ ከም ዝኸኣለ ዛጊት ኣየተፈለጠን፡ እንተኾነ ግና ብናይ ጽዕነት መራኽብ ተጓዒዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ናብ ኣውስትራልያ ብሕጋዊ መገዲ ርግቢ ምእታው ዝፍቀድ እኳ እንተኾነ እቲ መስርሕ ከቢድን ኣሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዘኽፍልን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመት ካብ ኣሜሪካ ዘእተወ ከም ዘየሎ ይግለጽ።

ጆ፡ ብሰንኪ ጽኑዕ ሕጋጋት ምእታው እንስሳ ኣውስትራልያ ጸገም ዝረኸበ ናይ ፈለማ እንስሳ ኣይኮነን።

ኣብ 2015 ተዋሳእቲ ጆኒ ደፕን ናይ ሽዑ በዓልቲ ቤቱ ኣምበር ሀርድን ብውልቃዊ ነፋሪቶም፡ ፒስቶልን ቡን ንዝተብሃሉ ክልተ ኣኽላባቶም ናብ ኣውስትራልያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ድሕሪ ምእታዎ ይቕሬታ ክሓቱ ተገዲዶም እዮም።