እንስሳ ምሕራድ ስነልቦናዊ ጸገም የስዕብ'ዶ ይኸውን?

ነዚ ዛንታ እተዘንትወልና፡ ኣብ መሕረድ እንስሳት ትሰርሕ ዝነበረት ሰብ እያ። ኣብዚ እንስሳት ምሕራድ ዘስዓባላ ስነልቦናዊ ጸገም ትገልጽ። ገለ ኣንበብቲ እዚ ትሕዝቶ ክርብሾም ስለዝኽእል ጥንቃቐ ክገብሩ ንምዕድ።
ቆልዓ እንከለኹ ናይ እንስሳት ሓኪም ክኾን ትምኒተይ ነይኒ። ኣብ ገጠር ስለዝዓበኹ ድማ፡ ምስ እንስሳት ቀረባ እየ ነይረ።
ነገራት ግን ከምዝሓሰብካዮ ስለዘይኮኑ ግን - ስረሐይ ኣብ እንዳ መሕረድ እንስሳት ኮይኑ። ንሽድሽተ ዓመታት እየ ኣብኡ ሰሪሐ። ከምቲ ሕልመይ እንስሳት ክሕክም ዘይኮነስ - መዓልታዊ 250 ከብቲ ከምዝተሓረዳ ከረጋግጽ ነይሩኒ።
እንዳ መሕረድ እንስሳት ኣዝዩ ረሳሕ ቦታ እዩ። ኣብቲ ባይታ ክሳድ እንስሳት ተደርብዩ ትርእይ፣ ፈርሲ ይጨኑ፣ እቲ መናድቕ እውን ብደም ዝተጸየቐ እዩ።

ቅድሚኡ ኣብ ፋብሪካ መግቢ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ዳሕራይ፡ ኣብቲ መሕረድ እንስሳት ተቖጻጻሪት ጽፈት ኮይነ ክሰርሕ ዕድል ምስሃቡኒ ንድሕሪት ኣይበልኩን። ሽኡ 40ታት እዩ ነይሩ ዓመተይ።
ምስቶም ሓረድቲ ኮይነ እየ ስርሐይ ዝፍጽም።
ኣነ ብውልቀይ ዝኾነ ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሑኒ ዘይፈልጥ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ኣእምሮይ ግን ጽልዋ ነይርዎ።
ኣብቲ መሕረድ እንስሳት ነዊሕ እናጸናሕኩ ብዝኸድኩ ቑጽሪ ጽዕንዕን ክብለኒ ጀሚሩ። ምሸት ምሸት ነቲ ቀትሪ ዝርእዮ ዘስካሕክሕ ነገር እናዘከርኩ ይብህርርን ሃተፍትፍ እብልን።

ኣብ መሕረድ እንስሳት ክተሰርሕ እንከለኻ እተጥርዮ ሓደ ባህሪ፡ ንከብቲ ከም እንስሳ ዘይኮነስ ከም ስጋ ኢኻ ክትሪአን እትጅምር። ከምኡ እንተዘይገይርካ ከኣ፡ ንህላወኻ ሓደጋ እዩ።
ብኸምኡ ኢካ ዕሽሽ ትብሎ።
ግን ነዚ ዕሽሽነትካ ዝስዕር ነገር ከኣ የጋጥመካ። ንዓይ ካብዚ ዕሽሽ ዝብለሉ ባህሪ ዘበራበረኒረ፡ ኣራእስ ናይተን ዝተሓረዳ ከብቲ ምርኣይ እዩ።
ኣብ ጫፍ እቲ መሕረድ ስጋ፡ ኣራእስ ናይተን ዝተሓረዳ ከብቲ ዝእከበሉ ቦታ ኣሎ። ኩሉ እቲ ስጋ ተላዒሉ ኣዒንተን ጥራይ እዩ ዝተርፍ። ብኡ ክሓልፍ እንከለኹ፡ ኣማኢት ኣዒንቲ ዘፍጥጡለይ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ገሊኦም፡ ኣብ ቅትለቶም ከምዝተሳተፍኩ ፈሊጦም ዝወቕሱኒ ዘለዉ መሲሉ ይስመዓኒ። ገሊኦም "ኣድሕንና" እናበሉ ዝምሕጸኑኒ መሲሉ ይስመዓኒ።
ዘሕዝንን ዘፍርሕን ነገር ነይሩ። ፈለማ፡ ነቶም ኣራእስ ክርእዮም እንከለኹ ዕውልውል ኢሉኒ።

ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ነቶም ካልኦት ሰራሕተኛታት እውን ከምዘጨንቖም ይፈልጥ እየ።
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ካብቶም ጠባሕቲ፡ ሽዑ ንሽዑ ዝተሓረደት ላሕሚ እናጠብሐ እንከሎ - ካብ ከብዳ ኣብ ጥንሲ ዝነበረ ምራኽ ተጎልጊሉ ወጸ። እታ ላሕሚ መላእ እያ ነይራ።
ነዚ ዝረኣየ እቲ ጠባሒ፡ ኡይ ኢሉ። ርእሱ ሒዙ ኣእውዩ።
ካብቲ ቦታ ኣርሕቕ ኣቢለ ናብ ሓደ ክፍሊ ኣእትየ ኣረጋጊዐዮ። ካልእ ምንም ኣይበለን " ልክዕ ኣይኮነን፡ ልክዕ ኣይኮነን" ጥራይ ይብል ነይሩ።
እዞም ጠባሕቲ ክትርእዮም ከለኻ፡ ስምዒት ዘይብሎም ብርቱዓት ሰባት እዮም ዝመስሉ። ኣነ ግን እናነብዐ ርእየዮ። ካብ መላእ ላሕምታት ብላዕሊ ዘሕዝን ዝነበረ ድማ፡ ኣምራኹት ምሕራድ እዩ።
ኣነ ብውልቀይ ብቃዝኖት (ዲፕረሽን) ይጥቃዕ ነይረ። እዚ ድማ፡ ብስራሕ ዕረፍቲ ካብ ምስኣንን ሞት እናረኣኻ ብምውዓልን ዝጋደድ ኩነታት እዩ። ጸኒሐ፡ ስምዒት ነብሰ-ቅትለት ክስመዓኒ ጀሚሩ።
ኣብቲ መሕረድ እንስሳት ብምስራሕ ድዩ እዚ ጸገም ተጸጢሩ፤ ዋላስ እቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት እዮም ናብቲ ስራሕ ዝኣትዉ? ዝብል ግልጺ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ዘጨንቕ ስራሕ እዩ።
ብዛዕባ ጽልዋታቱ ከኣ ምስ ሰብ ብግልጺ ኣይትዛረበሉን ኢኻ። ኣበይ ከምእትሰርሕ ንሰባት ክትዛረብ እንከለኻ፡ ገሊኦም ስለዘባጭዉ፡ ገሊኦም ድማ ስለዝስከፉ፡ ስቕ እየ ዘብል ነይረ።

ገለ ዓመታት ምስ ሰራሕኩ፡ ሓደ መሳርሕተይ "ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ኣብዚ ኣይትረኽቡንን" ክብል እሰምዖ። ተዋዛያይ ስለዝነበረ፡ ሰባት ስሒቖም ይሓልፍዎ ነይሮም። ስራሕ ክቕይር እየ ዝብሎም ዘሎ እዩ ዝመስሎም ነይሩ።
ኣነ ግን ስለዝጠርጠርኩ ንበይኑ ወሲደ ኣዘራሪበዮ። ስምዒታት ነብሰ-ቅትለት ይስመዖ ከምዘሎ ነጊሩኒ። ንሓለፍትና ከይነግሮም ድማ ተማሕጺኑኒ።
ሕክምና ክረክብ ገይረዮ። ንዕኡ ሓገዝ ክረክብ ክገብር ከለኹ፡ ንባዕለይ እውን ሓገዝ ከምዘድልየኒ ተረዲኡኒ። ኣብ ሓያል ናይ ቃዝኖትን ጭንቀትን ስምዒት እየ ነይረ። ካብኡ ክወጽእ ነይሩኒ።
ኣብቲ መሕረድ እንእስሳት ዝነበረኒ ስራሕ ምስገደፍኩዎ፡ ነገራት ብሩህ ኮይኑ ክረኣየኒ ጀሚሩ። ኣብ ጉዳይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ምስ ዝሰርሑ ትካላት ረዲኤት ክሰርሕ ጀሚረ።
ሰባት ብዛዕባ ስምዒታቶም ብግልጺ ክዛረቡ የተባብዖም። ሞያዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘለዎም የረድኦም።
ካብኡ ምስወጻእኹ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ሓደ መሳርሕትና ዝነበረ ንርእሱ ከምዝቐተለ ሰሚዔ።
ሓንሳብ ሓንሳብ፡ ኣብቲ መሕረድ እንስሳት ዘሕለፍኩዎ ግዜ እዝክሮ። ክድቅስ ስልም ከብል ከለኹ፡ አማኢት ኣዒንቲ እናፍጠጡለይ ይርእይ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







