ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ተረኺቡ

ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸበ ሓደ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል ምርምር ዘውጽኦ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እዚ ቫይረስ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ክርከብ ከም ዝኸኣለ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዘሕድሮ ጸቕጢ ንምፍላጥ ተወሳኺ ምርምር ከም ዘድሊ ተሓቢሩ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኬንያ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ሞት ልዕሊ 1,700 ሰባት ተመዝጊቡ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ዘሎ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተረኸበ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ቦትስዋና፣ ዛምቢያን ጋምቢያን እቲ ቫይረስ ዝተረኸበለን ሃገራት ከም ዝኾና ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሰለስተ ሚሊየን በጺሑ።

ቑጽሪ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት'ውን ኣብ ቐዳማይ ዙርያ ለብዒ ካብ ዝነበረ ዝሓሸ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ልዕሊ 39 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ እቲ ትካል ክገልጽ እንከሎ፡ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝበጽሕ ጸቕጢ ንምክልኻል ሕብረተሰብ ነቶም ስጉምታት ምክልኻል ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ከተግብር ኣተሓሳሲቡ።