መረጻ ኡጋንዳ 2021፡ ቦቢ ዋይን ሰብ መዚ ንዝገለጽዎ ውጽኢት መረጻ ነጺጉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተነሓናሒ መረጻ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ክሳብ ሕጂ ንዝተገልጸ ውጽኢት መረጻ ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ፤ ንርእሱ'ውን ተመራጺ ፕሬዝደንት ክብል ጸዊዑ።
እቲ ዝተዋህበ ድምጺ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘይተቐጽረ ኮሚሽን መረጻ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣፈናዊ ውጽኢት ግን ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ይመርሕ ከም ዘሎ ዘርኢ ኮይኑ'ዩ።
ትማሊ ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ኣብ ታሪኽ ኡጋንዳ እቲ ዝኸፍአን ልዑል ምትላልን ጎንጽን ዝተመልአን ምንባሩ ዝገልጽ ቦቢ ዋይን፡ እቲ ቓልሲ ገና ይጅምር ኣሎ ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
መንግስቲ ግን እቲ መረጻ ሰላማዊ ምንባሩ ይገልጽ።
ካብ ኮሚሽን መረጻ ኡጋንዳ ዝወጽአ ኣፈናዊ ውጽኢት ከም ዘመላኽቶ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ረኺቡ ኣሎ።
እቲ ፕሬዝደንት ሓደ ሚሊየን 536 ሽሕን 205 ድምጺ (65.02 ሚኢታዊት) ብምርካብ ይመርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ተነሓናሒኡ ሮበርት ክያጉላንያ (ቦቢ ዋይን) ድማ 647 ሽሕን 146 ድምጺ (27.39 ሚኢታዊት) ድምጺ ብምርካብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝርከብ ሓበሬታ ኮሚሽን መረጻ የመልክት።
እዚ ውጽኢት ካብ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕን 310 ናቑጣታት መረጻ ክእከብ እንከሎ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር 34 ሽሕን 684 ናቑጣታት መረጻ ኣለው።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ንመንበሪ ገዛ ቦቢ ዋይን ኸቢቡ ይርከብ።
ብመሰረት ሕጊ ኡጋንዳ፡ መረጻ ምስተኻየደ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኮሚሽን መረጻ ካብ ኩሎም ግዝኣታት ድምጺ ኣኪቡ ውጽኢት ከፍልጥ ኣለዎ።
ኣብዚ ሰሙን ብመሰረት ሰብ መዚ እታ ሃገር ማሕበራዊ ሚዲያን ቪፒኤንን ክዕጾ ዝሃቡዎ መምርሒ: ኩሎም ዓይነታት ማሕበራዊ ሚዲያ ተዓጽዮም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







