መረጻ ዩጋንዳ 2021፡ ፌስቡክ ምስ መንግስቲ ዩጋንዳ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ገጻት ዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክ መረጻ ዩጋንዳ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም ገጻት ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ።
እታ ሃገር ፕረዚደንታውን ፓርላመንታውን መረጻ እያ ክተካይድ ትሸባሸብ ዘላ።
ገዚፍ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾነ ፌስቡክ ከም ዝበሎ ምስ ሚንስትሪ ሓበሬታ ዩጋንዳ ርክብ ዘለዎ መርበብ፡ ልጣፋት ብብዝሒ ንኽዝርግሑ ብምሕሳብ ስኑዓትን ዝተራብሑን ገጻት ክጥቀሙ ጸኒሖም'ዮም።
ንቢቢሲ ሓሳቡ ዝሃበ መንግስቲ እታ ሃገር ብወገኑ፤ ፌስቡክ ውግንና ከም ዝሓዘ ብምግላጽ ከሲሱ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ውድድር መረጻ ተዓዋቲ ንምዃን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብወጥርን ዓመጽን ዝተዓጀበ ኮይኑ'ሎ።
ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ብወዲ 38 ዓመት ኾኾብ ድምጻዊ ቦቢ ዋይን ይፍተን ከም ዘሎ ይግለጽ።
ዝበዝሑ ደገፍቲ ስነጥበባዊ ቦብ መናእሰይ ክኾኑ ከለዉ ብተደጋጋሚ ተኣሲሩ እዩ። ብዙሓት ተቓወምቲ'ውን ተቐቲሎም።
ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላን ካልኦት ከባብታትን ዝካየድ ጎስጓስ መረጻ ዝተኣገደ ኮይኑ፤ እዚ ውሳነ ዝተወሰነ ቦቢ ዋይን ኣብቶም ቦታታት ተፈላጥነት ስለዘለዎ ከምዝኾነ ተቓወምቲ ይገልጹ።
መንግስቲ ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ ብምኽንያት ገደባት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተወስደ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
'ዝተለመደ ጸዋታ'
ፌስቡክ ኣብ መግለጺኡ "እቲ መርበብ ኣብ ውሽጢ ሚንስትሪ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክባትን ምስ ዝርከብ ማእኸል 'ሲትዝን ኢንተራክሽን' ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና" ይብል።
"ስኑዓትን ዝተራብሑን ኣካውንታት ብምጥቃም ንዝተፈላለዩ ገጻት ይቆጻጸሩ፤ ኣብ ናይ ሰባት ትሕዝቶ ርእይቶ ይጽሕፉ፤ ንኻልኦት ሰባት ይመስሉ፤ ልጣፋት ብዝያዳ ንኽረኣዩሎም ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት እናወሰዱ መሊሶም ይጥቅዑ" ክብል ይቕጽል እቲ መግለጺ።
ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኦፍዎኖ ኦፖንዶ ግን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንፌስቡክ ነቒፉ'ሎ።
ፌስቡክ ፍትሓዊ ይኸውን ከም ዘየሎ ብምግላጽ፤ ብኻልኦት መንግስታት ንዝወሃቡ ሓሳባት ብምግዋሕ ኣብ ውጽኢት መረጻ ጽልዋ ንምፍጣር ይፍትን ኣሎ ክብል ድማ ከሲሱ።
"ብዛዕባ እቶም ገጻት ቅሬታ ምስ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፈልጦ የብልናን" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቓል ዝኾነ ኣካል እውን ኣብቲ ዝቐረበ ሓሳብ መብርሂ ክህብ ከምዘይቐረበ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ድማ "ዝተለመደ ጸዋታ ይጻወቱ ዘለዉ ይመስለኒ። እኳ ደኣስ ኣብዚ መረጻ ውግንና ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና" ክብል ንፌስቡክ ነቒፉ።
ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ዝካየድ መረጻ ነጻን ፍትሓውን ከም ዝኸውን እቲ ወሃቢ ቓል ወሲኹ ተዛሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







