ኢራን፡ ብውሕዱ 10 ሓዃሮ ብውርጭን መደራጋሕ በረድን ሞይቶም

ኣብ ኢራን፡ ሰሜናዊ ክፈል ርእሰ ከተማ ታህራን ኣብ ዝርከብ ዓቢ ጎቦ ውሕዱ 10 ሓዃሮ ብውርጭን [ጸፍዕን] መደራጋሕ በረድን ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እቲ ኣልቦርዝ ዝተብሃለ ኣብ ሰሙናዊ ክፋል ከተማ ታህራን ዝርከብ ዓቢ ጎቦ፡ ኣልቦርዝብሓዃሮ ኣዝዩ ፍቱው ቦታ ኮይኑ፡ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት እዮም ናብ ዝባኑ ዝድይቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ግን ኣብቲ ቦታ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ኣየር እዩ ቀንዩ።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ነቶም ኣብቲ ዓቢ ጎቦ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ 20 ጉጅለታት ብምውፋር 14 ካብቶም ሓዃሪ ከድሕን እኳ እንተኸኣለ ብውሕዱ 7 ሰባት ግን ገና ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ዘሎ።

እቲ ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ናይ መድላይ መስርሕ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ኣየር ቀትሪ ቀትሪ ጥራይ እዩ ክካየድ ቀንዩ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኸኣ እቲ ናይ ምድላይ መስረሕ ደው ከብልዎ እዮም።

ካብቶም ዝሞቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መምሃራን ዩኒቨርስትን ዶኳትርን ከምዝርከበንዎም ኸኣ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኣፍሊጡ።

ብዓርቢ'ውን ካልኦት 100 ዝኾኑ ሓዃሮ ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ኣብ ዝርከብ ቦታ ምስ ብጽሑ እታ ንድሕሪት ትመልሶም ኣብ ገመድ ሸረር ትብል መኪና (ተለፈሪካ) ስለዝተበላሸወት ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ሓዲግ ተሪፎም ምንባሮም ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብቲ ብብረድ ዝተሸፈነ ጎቦ ኣልቦርዝ ውርጭን መደራጋሕ በረድን ከጋጥም ከምእኽእልን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሓዃሮ ዝጠፍእሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ መሐበሪ ኣንፈት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጂፒኤስ ስለዝተበላሸዎም እዮም ኣንፈት ኣጥፊኦም ዝብል ሓበሬታ'ውን ይቃላሕ ኣሎ።