ኣመሪካ፡ ነዳዲ ዝጸዓና ዓበይቲ መራኽብ ኢራን ማሪኻ

ኣመሪካ፡ ነዳዲ ጽዒነን ናብ ቬነዝወላ ዝኸዳ ዝነበራ ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ከም ዝሓዘት ኣፍሊጣ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ኣመሪካ ብሓገዝ ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ ኣቢላ፡ 1.1 ሚልዮን ነዳዲ ዝሓዘ በርሚል ኣብ ቁጽጽራ ኣእቲያቶ'ላ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ናይ ነዳዲ ሰደድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣመሪካ ከም ዝጠሓሰ እዩ ዝገልጽ።

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ቬኔዝወላ ግን፡ እተን መራኸብ ኾና ወነንቲ እተን መራኽብ ኢራናውያን ከም ዘይኮኑ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ እተን ኣርባዕተ መራኽብ ክተሓዛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከም ዘእተወን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ድማ እተን መራኽብ ክተሓዛ መምርሒ ከም ዝሃበን ገሊጹ።

ትማሊ ዓርቢ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ "ብዕውት መገዲ ከም ዝሓዘን" ኣፍሊጡ።

እቲ ብሚልዮናት ዶላራት ዝትመን ነዳዲ ብእስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝለኣኽ ከም ዝነበረ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እንተኾነ፡ እተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ መዓስን ኣበይን ከም ዝተታሕዛ እቲ መግለጺ ኣየነጸረን።

ኣመሪካ፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣእቲያቶም ከም ዘላ ይፍለጥ።

ኢራን'ውን ብወገና፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ከም እትፈልጦ እያ እትሕብር።

እተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ቁጽጽር ኣመሪካ ምስ ኣተዋ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ንኽመልሰን ዘይዕውት ፈተነ ከም ዝገበረ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ቨኔዝወላ ሓጃት ሶልታኒ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝወጽአ ጸብጻብ "ናይ ሓሶት ፖሮፓጋንዳ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ 2018 ካብቲ ምስ ኢራን ዝኸተመቶ ውዕል ኒኩሉር ምስ ሰሓበት፡ ደጊሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ምስ ኣንበረ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ክዓቢ ጸኒሑ'ሎ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቨኔዝወላን ሓያል ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢራትለን ኣላ። ኣመሪካ፡ ንፕረዚደንት ቨኔዝወላ ኒኮላስ ሞዱሮ'ውን ካብ ስልጣኑ ክትኣልዮ ትቃለስ ከምዘላ ይፍለጥ።