ቱርኪ፡ ኦክስጅን ናይ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብምፍንጃሩ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም

ኦክስጅን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቱርኪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሕከምሉ ሆስፒታል ናይ ኦክስጅን ቬንትለተር ብምፍንጃሩ ትሽዓት ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ክፈሊ ጽኑዕ ሕሙማት ናይቲ ኣብ ጋዝያንተፕ ዝርከብ ሳንኮ ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ዘጋጠመ ምፍንጃር ናይ ኦክስጅን፡ ባርዕ ብምፍጣሩ እቲ ሞት ከምዝሰዓብ እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም በቲ ባርዕ ዝሞቱ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ካብቲ ባርዕ ብህይወቱ ወጺኡ ናብ ካልእ ሆስፒታል እናተወሰደ እንከሎ እዩ ሞይቱ።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ቱርኪ ክሳብ ሕጂ 17,610 ምስ ኮቪድ 19 ብዝተኣሳሰር ሞት ኣመዝጊባ ኣላ።

እቲ ኣብ ሆስፒታል ዘጋጠመ ባርዕ ቀዳም ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

እቶም በቲ ምፍንጃር ናይ ኦክስጅን ዝሞቱ ትሽዓተ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 56 ክሳብ 85 ምዃኑ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

መንግሰረቲ ቱርኪ ንጠንቂ ምብራዕ እቲ ኦክስጅን ዝምርምር ጉጅለ ኣቑሙ መርምራ ጀሚሩ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

እቶም ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ሆስፒታል ኣብ ካልእ ዋርድ ኮይኖም ሕክምናዊ ናብዮት ዝረኽቡ ዝነበሩ ሕሙማት ካብ ካልእ ሆስፒታል ግዒዞም ምህላዎም እቲ ሆስፒታል ገሊጹ።

እቲ ብሰብ መዚ ቱርክን እቲ ሆስፒታልን ዝወጽአ መግለጺ፡ ንስድራ እቶም ግዳይት ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም ኣለዉ።

ውህቢ ቃል ፕረዚደንት ቱርኪ ኢብራሂም ካሊን ብወገኑ፡ እቶም በቲ ባርዕ ዝተሃሰዩ ቀልጡፎም ክሓውዩ ብምምናይ፡ መንግስቲ ንጠንቂ እቲ ባርዕ ኣመልኪቱ እኹል መርመራታት ከምዝገብር ተመባጺዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ሃገረ ሮማንያ፡ ሕሙማን ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሕከምሉ ብዝተላዕለ ባርዕ 10 ካብቶም ተሓከምቲ በቲ ባርዕ ምማቶም ዝዝከር እዩ።