ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ምስክርነት ካብ ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ኣጽዋርን ዝደሓኑ ነበርቲ መቐለ

ውላድ ብዘይ ወለዲ ተሪፉ፤ ምስ ኣዲኣ ብኸቢድ ብረት ዝተወቕዐት መንእሰይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ውኒኣ ምስ ሰሓተት [ኣብ 'ኮማ'] ትርከብ፤ ኣዲኣ ግን ህይወተን ሓሊፉ።
እዚኦም፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንመሪሕነት ህወሓት ንምሓዝን ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻርን ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ብዝፈጸሞም መጥቃዕቲ ከበድቲ ኣጽዋርን ነፈርትን ጉድኣት ዝበጽሖም፣ ብህይወት ዝተረፉን ሓደ ዶክተርን ካብ ዘዘንተዉልና ኣብ ልዕሊ ሲቪል ካብ ዝበጽሑ ጉድኣታት ገሊኦም እዮም።
እቲ ንሶም፡ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈጺሙ ክብሉ ዝህብዎ ምስክርነት ግን፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ "ኣብቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሰራዊትና ክሳብ ናብ ከተማ መቐለ ዝኣትው ዋላ ሓደ ሲቪል ዘይምሟቱ ዘሕብን'ዩ" ክብል ንኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝሃቦ መብርሂ ፈጺሙ ዝሳነይ ኣይኮነን።
እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ልዕሊ ብህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ዝምራሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክካየድ መምርሒ ዝሃበሉ እዋን 4 ሕዳር 2020 [25 ጥቅምቲ 2013 ኣ.ኢ] ምዃኑ ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ እንተኾይኑ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም'ዩ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክካየድ መምርሒ ዝተወሃበ።
እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት [መንግታት ፌደራልን ክልል ትግራይን] ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክትብተብ ዝጸንሐ ወጥሪ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ነታ ኣስታት 500,000 ህዝቢ ዘለዋ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ብ28 ሕዳር [19 ሕዳር ኣ.ኢ] ምስተቖጻጸረ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ንትግራይ ዝገዝአ ህወሓት ዕድመ ስልጣኑ ከምዘብቀዐ ካብ መንግስቲ ፌዴራል መግለጺ ተዋሂቡ ነይሩ።
ኣብቲ ንሰሙናት ዝተኻየደ ውግእ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ኣብ ገለ ኣገልግሎት ስልኪ ክምለስ ብምኽኣሉ ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ከዘራርብ ኪኢሉ'ሎ። ምስክርነቶም ብኸምዚ ይስዕብ፡
[ንድሕነት እቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ክንብል ግን ኣስማቶም ኣይክንገልጽን።]

ኣካራዪ መንበሪ ገዛ ካብ ክፍለ-ከተማ ዓይደር፡
ብ19 ሕዳር 2013 ዓ/ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ መረባና ዝዓለበ ቁምቡላ ነፋሪት ገዛውቲ ኣዕንዩ። ካብ ሓደ ስድራ ኣብ ገዛይ ዝነብሩ ተኻረይቲ ሓደ ቆልዓ ጥራይ ተሪፉ። ኣቡኡ፣ ኣዲኡን ክልተ ኣሓቱን ሽዑ ንሽዑ ⶁይቶም። ኣካላቶም ብዘሕዝን ኩነታት ተበታቲኹ። ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ገዛይ ተኻረይቲ ኮይኖም ዝነበሩ እዮም። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ።
ኣብ መረባና ካልኦት ሰለስተ ደቂኣንስትዮ'ውን ቆሲለን'የን። ሓንቲ ኣብ ኢዳ፣ እታ ካልአይቲ ኣብ እግራ ሳልሰይቲ ድማ ኣብ ገጻን ጡባን ተወቒዓ። ክልቲኤን ክሳብ ሕዚ ኣብ ሆስፒታል ይርከባ።
ኣነን በዓልቲ ገዛይን'ውን ቆሲልና ኢና ግን ከቢድ ጉድኣት ኣይኮነን። ኣነ ኣብ ኣፍ-ልበይ ተወቒዐ ክሳብ ሕዚ እቲ ቑስሊ ኣሎ። ክልቴአና ካብ ሆስፒታል ዓይደር [ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ መወከሲ ወይ ሪፈራል ሆስፒታል] ኣብ ቀረባ መዓልታት ኢና ወጺእና።
ኣብቲ ሆስፒታል ሕጽረት ቀረብ መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ዶካትርን ስለዝነበረ እኹል ሕክምና ምርካብ ኣጸጋሚ ነይሩ። ብዙሓት ግዳያት እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ሆስፒታል ነይሮም። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ሆስፒታል ኣብቶም ብጣዕሚ ዝተጎድኡ ትኹረት ይገብር ነይሩ።
መድሓኒት ክንዕድግ እንተሓበረና'ኳ ነቲ ዝተኣዘዘልና መድሓኒት ኣብ ፋርማሲ እቲ ሆስፒታል ክንረክብ ኣይከኣልናን። ካብ ደገ ከይድኩም ዓድጉ ተባሂልና እንተኸድና ኣብቶም ናይ ደገ ፋርማሲታት'ውን መድሓኒት ኣይነበረን።
ናብራ ከቢድ ኮይኑ'ሎ። ን40 መዓልታት ዝኣክል ዓበይቲ ዕደጋታት ተዓጽዮም። መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቐጣት ክንረክብ ተጸጊምና'ለና። መግቢ ምርካብ'ውን ኣጻጋሚ ኮይኑ'ሎ።
ካብቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ህይወቶም ንምድሓን ብዝብል ካብ ከተማ ዝወጽኡ ሰባት ክሳብ ሕዚ ካብ ዝኸዱሉ ቦታ ኣይተመለሱን። አበይ ከምዘለዉ ዘይንፈልጦም'ውን ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA/MAXAR TECHNOLOGIES
ኣደ ክልተ ቆልዑ - ካብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ፡
እቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ መቐለ ዝፍጸም ደብዳብ ነፈርትን መጥቃዕቲ ከበድቲ ኣጽዋርን ካብ ቅድሚ 19 ሕዳር [ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንመቐለ ቅድሚ ምቁጽጻሩ] ጀሚሩ'ዩ ዝካየድ ነይሩ።
ኣብታ መዓልቲ ግን ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ'ውን ተፈጺሙ። ኣብ 19 ሕዳር [28 ሕዳር 2020 ] ካብ ንጉሆ ዝጀመረ መጥቃዕትን ደብዳብን ክሳብ ምሸት ቀጺሉ።
ገለ ከበድቲ ኣጽዋር ክትኮሱ ከለዉ ብርእሴና ይሓልፉ ነይሮም። ብጣዕሚ ፈሪሕና፤ ህጻናት ደቅና'ውን ብፍርሒ ይበኽዩን ይጭነቑን ነይሮም።
ካብቶም ዝትኮሱ ዝነበሩ ከበድቲ ኣጽዋር ኣብ ከባቢና ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ብምዕላቡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣዕኒይዎ።
ማማ ሙሉ ንዝበሃላ ሓንቲ ዓባይ ወላዲት ቀቲሉ። ምስአን ዝነበረት ሰምሃል እትበሃል ጓለን ብኸቢድ ቆሲላ። ክሳብ ሎሚ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር እያ ዛላ። ካብ ኮማ ኣይነቕሓትን።

ዝበዝሑ ጎረባብትና ነቲ ደብዳብን መጥቃዕትን ብምፍራሕ መንበሪ ገዝኢም እናገደፉ ናብ ገጠራትን ካልእ ቦታታትን ከይዶም።
ኣነ፣ ደቀይን ገለ ኣብ ገዛይ ዝነብሩ ተኻረይትን ግን ሓንቲ ከማና ክትሃድም ዘይትኽእል ጉድእቲ ኣካል ምሳና ስለዘላ ንዓኣ ገዲፍና ንዘይምውጻእ ብምውሳን ኣብዚ ጸኒሕና።
እቲ ከበድቲ ኣጽዋር እናበርትዐ ምስከደ ግን ኣብ ከባቢና ናብ ዝርከብ ገና ኣብ ህንጸት ናብ ዝነበረ ህንጻ ብምኻድ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሉ ተሓቢእና።
ኣብኡ ነዊሕ ሰዓታት ክንጸንሕ ተገዲድና። ብድሕሪኡ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማና ከምዝኣተወ ሰባት ነጊሮምና። ክንወጽእ'ውን ሓቢሮምና። ግን ከኣ ምሉእ ውሕስና ክሳብ ዝስመዓና ኣብኡ ክንጸንሕ ወሲንና።
ጸኒሕና ካብቲ ዝተሓባእናሉ ታሕተዋይ ክፋል ህንጻ ምስወጻእና ወተሃደራት ክንርኢ ጀሚርና። ንሶም'ውን ጠምዮን ጸሚኦምን ስለዝነበሩ መግቢ ክንህቦም ሓቲቶምና። ገንዘብ ሒዞም ስለዝነበሩ ድማ መግብን ማይን ዝዕድጉሉ ድኳናት ክንሕብሮም ይሓቱና ነይሮም።
ግን ከኣ ብሰንኪ እቲ ውግእ ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ስለዝነበሩን ሕጽረት ቀረባት ስለዝነበረን በቲ ዝሓዝዎ ገንዘብ ዝደለይዎ ነገር ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኩነታቶም ስለዘሕዘነና ድማ ኣነን ጎረባብተይን ካብቲ እናተማቐልና ክንምገቦ ዝጸናሕና ቁሩብ ርካብና ሂብናዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ገለ ትካላት ንግድን ዕዳጋን ይኽፈቱ ኣለው፤ ግን ከኣ ዋጋ ሸቐጣት ብጣዕሚ ወሲኹ'ሎ። ሕጽረት ስለዘሎ ኣብ ዋጋ ወሰኽ እናተረኣየ እዩ።

ኣብ ገለ ክፋላት ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪሲቲን ናብ ዝነበሮ እንተተመለሰ'ኳ ኣብ ከባቢና ግን የለን።
ኤለክትሪክ ስለዘይብልና ብዕንጸይቲ ክንስንክት ዘኽእለና ሞጎጎ ኢና ንጥቀም ዘለና። ኣብዚ ኣብ ገዛና ዘላ ሞጎጎ ድማ ምስ ጎረባብተይ ኢና እናተጸጋገምና ንጥቀመላ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዙሓት ጎረብብተይ ኣብ ገዛና ይርከባ፤ ሞጎጎ ተጠቒመን እንጀራ ዝስንክታ ማለት'ዩ። ማይ ካብ ዒላን ካብ መቐለ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ሩባን ኢና ንጥቀም።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ወተሃደራት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ምንቅስቓስ እናገበሩ ይርከቡ። ነበርቲ ምስቶም ወተሃደራት ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ከለዉ ብጣዕሚ ፍርሕን ስግኣትን ይስምዖም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቶም ወተሃደራት ናብ መቐለ ክሳብ ዝበጽሑ ኣብ ዝሓለፉለን ከተማታት ዘመተ (ውራ)ን ቅትለት ሲቪላትን እናፈጸሙ ምምጽኦም ዝሕብር ወረታት ይስማዕ ብምንባሩ እዩ።
ብርግጽ ናብ መቐለ ምስኣተዉ ከምኡ ክገብሩ ኣይረኣኹን። ኮይኑ ግን ነቶም ዝድልይዎም ንምርካብ ኣብ ገለ ዝመረጽዎም ገዛውቲ ተፍትሽ የካይዱ ኣለዉ። ኣብዚ ዘለኹሉ መንደር ግን ከምኡ ክግበር ኣይረኣኹን።
ኣብዚ ሕዚ ካብ ምሸት ክሳብ ንጉሆ ኣብ ዝጸንሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ኢና ዘለና። ኣብ ምሸት ብተደጋጋሚ ተኹሲ ንሰምዕ ነይርና። መናእሰይ በቶም ወታሃደራት ይቕተሉ ከምዘለዉ'ዮም ሰባት ዝነግሩና። ገሊኦም ነቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ጥሒስኩም ብዝብል ገሊኦም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝብን መንግስትን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ገዛውቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ ዝበልዎ ስርቂ ንምክኻል ብምውጽኦም ከምዝተቐተሉ ሰሚዐ። በዚ ምኽንያት ምስ ወተሃደራት ናብ ጎንጺ ብምእታዎም ተተኲስዎም።
ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበረ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣብዚ ሕዚ እዋን የለን። ኣብ ጎደናታት መቐለ ኣይረኣዩን። በዚ ምኽንያት ብፍላይ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መቐለ ምስ ኣተወ ኣብ ዝነበሩ ፈላሞት መዓልቲ ብዙሕ ስርቅን ዘመተ (ወራር ንብረት)ን ተፈጺሙ'ዩ።
ዝበዝሑ ገበናት በቶም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝወጽኡ እሱራት'ዩ ተፈጺሙ። ተፈቲሖም ድዮም ሃዲሞም ዝብል ግን ኣይፈለጥናን። ገለ ነበርቲ ከተማና'ውን ግን ኣብቲ ስርቂ ተሳቲፎም'ዮም። ሕዚ ግን ከምኡ የለን።
ዶክተር ካብ ዓይደር መወከሲ (ሪፈራል) ሆስፒታል፡
ካብቲ ሕሱም ኩነታት ብህይወት ተሪፍና ለና። ኣነን ስድራይን ደሓን ኣለና። ኣብቲ ንሕና ማለት ሰብሞያ ጥዕና ሆስፒታል ዓይደር ዝነብሩሉ ከባቢ ከቢድ ብረት ዓሊቡ ነይሩ። ብርግጽ ሰራሕተኛታት ኣይሞቱን፤ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ግን ተቐቲሎም።
ቀዳም 19 ሕዳር ካብ ንጉሆ ሰዓት 4፡00 [10፡00 AM 28 ሕዳር] ጀሚሩ ሓይልታት ምኽልኻል ፌደራል ናብ መቐለ ከበድቲ ኣጽዋር ክትኩሱን ደብዳብ ነፍሪ ከካይዱን ጀሚሮም። ክሳብ ምሸት ድማ ቀጺሉ። መቐለ ብኸቢድ ትድብደብ ነይራ።
ኣነ ንባዕለይ ናብ ሆስፒታልና ዝመጽኡ ናይ 22 ኣስከሬናት ቂጺረ እየ። 7 ቅድሚ ቀትሪ 15 ድማ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ። ኩሎም ሲቪላት'ዮም ነይሮም። እቶም ዝበዝሑ ድማ መናእሰይ ከምዝነበሩ ተዓዚበ። ካብ ሞንጎ'ቶም ዝተቐተሉ ቆልዓ 10 ዓመትን ከባቢ 70 ዓመት ዝገበራ ኣደን ይርከብኦም። ኩሎም ከኣ ቀበሌ 15፣ እንዳገብርኤል፣ 11 ቀበሌ፣ መናሃርያን ቀበሌ 12ን ኣብ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መቐለ ዝተቐተሉ እዮም።

ክሳብ 70 ዝቖሰሉ ሰባት'ውን መጺኦምና ነይሮም፤ ናይ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዕድመ ህጻን ከኣ ካብ ሞንጎኦም ነይራ።
ሓይልታት ፌደራል ንከተማ መቐለ ቅድሚ ምቁጽጻሮም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ይኸውን ኣብ ሓደ ካምፓስ ዩኒቨርሲቲ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ ነይሩ። 22 ዝቖሰሉ ሰባት መጺኦምና ሓኪምናዮም ኢና። ሓደ ካብቶም ዝቖሰሉ ግን ተመራቒ ተምሃራይ ክፍሊ መጽናዕቲ ማሕበረሰብ ዝነበረ ሞይቱ።
እንደርታ ኣብ ዝበሃል ከባቢ መቐለ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ድማ ኣደን ጓላን ተወቒዐን። እታ ኣደ ሽዑ ክትመውት ከኣ ነታ ቖልዓ ኣቡኣ ሒዝዋ ናባና መጺኡ። ክነትርፋ ግን ኣይከኣልናን። ኣብ ርእሳ'ያ ተወቒዓ ነይራ፤ ሓደ ዓይና'ውን ካብ ቦትኡ ወጺኡ። ዝከኣለና ፈቲንና ግን ክነትርፋ ኣይከኣልናን፤ ሞይታትና።
ኣብ ሆስፒታልና ከቢድ ዝኾነ ሕጸረት ዓራውቲ፣ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ነይሩና። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን መንግስቲ ፌደራል ቀረባት ይልእኸልና ኣሎ። እንተኾነ ሆስፒታልና ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ኣይተመለሰን ዘሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ኣካይድናዮ ዝበሎ "ሕጊ ናይ ምኽባር" ወተሃደራዊ ወፍሪ ንኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግን፡ ሰራዊት ምክልኻል መቐለ ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ወላ ሓደ ሲቪል ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ኣረጊጹ ተዛሪቡ ነይሩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







