እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰብኣውነት ኣብ ዝጎደሎ ኩነታት ኣለዉ - ሂዩማን ራይትስ ዋች
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዋች እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኢትዯጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዘለዉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰብኣውነት ኣብ ዝጎደሎ ኩነታት ከምዘለዉ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዋች ገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣዝዮም ጸበብቲ ክፍልታት ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዝርከቡ ዝሓበረ ሂዩማን ራይትስ ዋች፡ ንሕማምን ካልእ ስቕያትን ይቃልዑ ምህላዎም ኣፍሊጡ።
"እቶም ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸበብቲ ክፍልታት ኣብ ልዕሊ ምድጓኖም ብሓለውቲ እቲ መዳጎኒ ስቅያትን መግረፍትን ይበጽሖም ከምዘሎ ገሊጾምለይ" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ዘለዉዎ ኩነታት ድማ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን ብውሑድ ሰለስተ ስደተኛታት ሞይቶም።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ እሱራት ብቕልጡፍ ክፈትሑ ዝጸውዐ እቲ ተጣባቒ መሰላት፡ ኣማራጺ እንተተሳኢኑ ጥራይ ነቲ መዳጎኒ ክጥቐሙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሑ "ስቅያትን ካልኦት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ኣለዎም። ኩነታት እቲ ቤት ማእሰርቲ'ውን ንዓለም ለኻዊ ረቛሕታት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
"እታ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፡ ንስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ምእሳር ድሕር ኣይበለትን" ትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዋች በዓልቲ ሞያ መጽናዕቲ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን።
እዚ ድማ ሰበሰልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ዝበጽሕ ዘሎ ስቅያትን ዘሎ ሕሱም ኩነታትን ብምርኣይ፡ ምርመራ ከካይዱን ነዚ ዝፍጽሙ ተሓተትቲ ንምግባርን ድልየት ከምዘይብሎም ዘርኢ ምኳኑ ገሊጻ።
ሂዩማን ራይትስ ዋች ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሪያድ ካብ ዝርከብ መዳጎኒ ንሸውዓተ ኢትዯጵያውያን ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ምንባሩ ይገልጽ። ንኻልኦት ክልተ ህንዳውያን እውን ቅድሚ ናብ ሃገሮም ምጥራዞም ካብቲ ቦታ ረኺቡ ነይሩ።
"ዝበዝሑ እሱራት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብዘይምሓዞም ዝተኣሰሩ እዮም" ይብል እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰል።
ኩሎም ቃለመሕትት ዝተገበረሎም ድማ "ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተጨናነቐን ዘይጽሩይን ክፍሊታት ንኣዋርሕ ኣሲሮምና" ምባሎም ሓቢሩ።
"እኹል ክፍሊ ሰለዘይብሎም እናተደራረቡ ወይ ድማ ገሊኦም ቀትሪ ገሊኦም ለይቲ ከምዘድቅሱ ገሊጾምልና" ክብል እውን ነቲ ዘለዉዎ ኩነታት ኣረዲኡ።
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተሉ ኩነታት ብኸምዚ ክተሓዙ ምኽኣሎም ነቲ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣኽቢድዎ'ሎ። ኣካላዊ ርሕቐቶምን ጽርየቶምን ንምሕላው ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነታት ይርከቡ።
ተሓተትቲ ከምዝበልዎ፤ ኣባላት ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ እናመጽኡ ረስኒ ሰብነት እሱራት ካብ ምዕቃን ወጻኢ ካልእ ንለበዳ እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ስጉምቲ ኣይውሰድን።
በዚ ምኽንያት መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥሞም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝወደቑ ንሂዩማን ራይትስ ወች ገሊጾም ኣለዉ።
ሂዩማን ራይትስ ዋች ኣብ 2019 ብዘካየዶ ዳህሳስ ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ዝእሰሩሎም 10 ኣብያተ ማእሰርትን መዳጎንታታን ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ኣብ 2020 ድማ ኣብ ጂዛንን ጂዳን ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ክፍለጥ ክኢሊ'ሎ።
ስዑዲ ዓረብ በቢእዋኑ ነቶም ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ የብሎምን ዝበለቶም ስደተኛታት እናሓዘት ናብ ሃገሮም ከምእትመልስ ይገልጽ ሂዩማን ራይትስ ዋች።
ካብ ግንቦት 2017 ክሳብ መጋቢት 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣስታት 260 ሽሕ ኢትዮጵያውያን (ብማእኸላይ ገምጋም 10 ሽሕ ኣብ ወርሒ) ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ንሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ዓለም ብምጥቃስ የረድእ።