መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኬንያ ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኽዎ

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ጎሮቤቱ ሃገረ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከምዝበተኾ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታቱ ብምስሓብ፡ ኣብ መቓድሾ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ኬንያ ካብ ሃገሩ ንክወጹኡ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ዕድል ሂብዎም ኣሎ።

ነዚ ምቁራጽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ሚኒሰትር ዜና ሶማልያ ዖስማን ኣቡካር ዱበ ኣብ ሃገራዊት መደበር ተለቪዥን ብምቕራብ እዩ ገሊጽዎ።

ሚኒስተር ዖስማን ኣቡካር ዱበ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቱ ምስ ኬንያ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

“መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተወሓሰ ልዑላውነቱ ተጠቒሙ፡ ቅዋም ሶማሊያ ንምሕላውን ርግኣትን ሓድነትን ንምውሓስን ምስ መንግስቲ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከቋርጽ ወሲኑ’ሎ” ኢሉ።

እቲ ውሳነ፡ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘለዋ ተቓውሞ ናብ ኣቦ ወንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ዝጽሓፈቶ ደብዳበ እዩ ተወሲኑ።

ሶማሊያ ኣቐድም ኣቢላ፡ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ትኣቱ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።