መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መዓስከራት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይመልሶም ምህላው ኣፍሊጡ

እቶም ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ክሳብ 6 ቆልዑ ዝሓዛ ኣዴታት፣ ሽማግለታት፣ ወተሃደራትን ስንኩላንን ይርከብዎም

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES

መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ክሳብ 6 ቆልዑ ዝሓዛ ኣዴታት፣ ሽማግለታት፣ ወተሃደራትን ስንኩላንን ይርከብዎም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ወጺኦም ናብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተቐሳቐሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ዝነበርዎ መስከራት ይመልሶም ምህላው ገሊጹ።

ብዙሓት ''ጌጋ ሓበሬታ'' ዘለዎም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሪሽን ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቶም መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምህላዎም፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መገዲ ነናብ መዓስከሮም ክመልሶም ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነ ምንቕስቃስ ኣብ ውሕስነትን፡ ጸጥታን ከምኡ'ውን ዝተወሃሃደ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ኣጸጋሚ'ዩ ክብል'ውን ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ''ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተወስደተ ወተሃደራዊ ስርሒት''፡ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ስደተኛታትን ካብኡ ወጻእን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ዘስግእ ኣይነበረን ኢሉ።

እንተኾነ፡ ትካል ስተደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ወሪዱ ከምዘሎን፡ ኣብቲ መዓስከራት ዝነበረ ናይ መግቢ ቀረብ ተወዲኡ ዝብላዕ ከምዘይብሎም ገሊጹ።

ሎሚ ዓርቢ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሃለዋት ናይቶም ስደተኛታት ስለዘይብልና ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሻቕሎት ንርከብ ኣለና" ኢሉ።

"ሒደት ካብኦም ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዘለዎ ፈሊጥና ኣለና" ዝበለ ክሪስ መልዘር: ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጹ ከምዘለዉ'ን ጠቒሱ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኣውቶቡሳት ናብ መዓስከሮም ዝተመልሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዘለዉ'ውን እቲ ወኪል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ነቶም ስደተኛታት ሰባዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብቶም መዓስከራት ክኣትዉ ክፍቀደሎም ይሓቱ ከምዘለዉ'ን ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ብወገኖም፡ ብጥምየት ይሳቐዩ ከምዘለዉን፡ ብፍላይ ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ማይን ከምዘይብሎም ተዛሪቦም ነይሮም።

ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ኤርትራ፡ ገለ ካብኦም ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ክገልጹ ምጽንሖምን፡ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ በቶም ጸብጻባት ከምዝተሻቐለን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነቶም ከውሕስ ሓላፍነት ከምዘለዎን ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ሰራሕተኛታት ሰባዊ ረዲኤት ናብቶም መዓስከራት ስደተኛታት ክኣትዉ ከምዘይክኣሉ ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣህጉራዊ ትካል ድሕነትን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክን ዝተባህሉ ክልተ ትካላ ትረዲኤት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።

ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት (ኢንተርናሽናል ረስክዩ ኮሚቲ) ሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጥቓ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ከምዝተቐትለ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ናይ ድሕነት ትካል ብሞት ኣባሉ ከቢድ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ገሊጹ'ሎ። ብመንን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከምዝተቐተለ ንምፍላጥ ሓበሬታታት ይኣኻኽቡ ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክ (ዳኒሽ ረፊጂ ካውንስል) ብወገኑ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣብ ሓደ ናይቲ ትካል ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዝነበሩ 3 ዋርድያታት ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

ኣበይ፡ ብኸመይን ብመንን ከምዝተቐትሉ ግን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣይጠቐሰን።

ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራ ከምኡ'ውን ሱዳን ዕቑባ ሂቡ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 200 ሚእቲ ሽሕ ከምዘለውን፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቑቦም ከምዘለው መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, IOM

እቶም ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ባንክታት ተዓጽየን ብምህላወን ካብ ስድራቤቶም ገንዘብ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ይግለጽ ኣሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ፡ ኣብ ዓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ልዕሊ 96,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሮም መግቢ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝተወደአን ጸጥተኦም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።

እቶም ስደተኛታት ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።

ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝቐጸለ ውግእ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ካብቲ መዓስከራት ኣቐዲሞም ብምውጽኦም፡ ብዘይ ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ኲናት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ቢቢሲ ዘዘራራባ ኣደ ቖልዑት ኤርትራዊት፡ ለይቲ ለይቲ ዕጡቓት ሰረቕቲ ናብቲ መዓስከር እናኣተው ብዕጥቆም ኣፈራሪሖም ቴሌፎንን ኣዋርቕን ይዘምቱ ከምዘለው ሓቢራ።

ውሕስነቶምን ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ስደተኛታት ሓያሎ ዓቕሎም ዝጸበቦምን ነበርቲ እተን መዓስከራት ስደተኛታት ንኣዲስ ኣበባ ክንከይድ ኢና ብምባል እግሮም ናብ ዝመርሖም ይብተኑ ከምዘለው እውን እታ ኣደ ተዛሪባ።